Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምብኽንያት መበል 20 በዓል ናጽነት ኤርትራ ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንቀዳም ዕለት 21 ግንቦት ንኹሉ ዜጋ ክፉት ዝኾነ በዓል ናጽነት ኣዳልዩ ከምዘሎ ብሓጎስ የበስር.

ስርዓት ህግደፍ ናይ ሎሚ ዘመን  በዓል ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ “20 ዓመታት ሓበን” ብዝብል ባዶ ጥበራ፤ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑ ኤርትራውያንን ኣብ ታኼላ ደም ናይዞም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያትን ኮይኑ ብቐዳድ ከበሮ ንምስዕሳዕ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ፤ ንሕና ኣፍንጫና ምስ ተሃርመ ደም ዝነባዕና ኤርትራውያን ግን ብዝክረ-ሰማእታትን ጸሎትን ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታትና ኢና ከነብዕሎ።

leedsብዕለት 29 ሚያዝያ 2011 ኣብ ሊድስ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ዘተ ጌርና ምንባርና ይዝከር። እታ ዕለት ዝፈረየታ ግዝያዊት ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሰፊሕ ኣኼባ ንኽትጽውዕ ብምልባው ዘተና ብውዕውዕ ሃገራዊ ስሞዒት ዛዚምና። ግዝያዊት ኮሚቴ ዝተዋህባ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ ንምቕራብን ንዝሰሐ ሃገራዊ ዘተ ንምግባርን ንዕልት 28 ግንቦት 2011 ሰዓት 2 ድ. ቀ. ኣብ ዩክሬንያን ኮሙኒቲ ሰንተር ክትርከቡ ትዕድም።

dcነቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘየብሉ ኣደራዕ ናብ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካን ዓለምን ህጹጽ መጸዋዕታ ንምግባርን ፍታሕ ንምንዳይን “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ” ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።

stockholmዝኸበርኩም መንእሰያት ኣሓትን እሕዋትን ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ማሕበራውን ውልቃውን ሂወት ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ነቲ ባሕርያዊ ጉዕዞ ሂወት ዝሃበና ባሕርያዊ ሕጊ ማለት ወዲ ሰብ ተውሊዱ ክዓቢ ክኣርግ ክመውት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና ከም ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለናን።

Stokንሕና ኣብ ሽወደን እንርከብ ኤርትራውያን/ሲቪካዊ ማሕበራት, ተቛወምቲ ውድባት, ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ, ውልቀሰባትን መንእሰያትን/ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ብሓባር ብምዃን ነቲ መለለዪኡ ጭቆናን ግፍዕን ዝኾነ ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣደዳ ሞትን ስደትን ስቅያትን ጌርዎም ዘሎ፡

ጽባሕ 19 ሚያዝያ ካብ 2፡00-5፡00 ኣብ ስታቫንገር ተኣኪብና ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲ ምዝካር ብዓቢኡ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና  ክንዝቲ ስለዝኾና፡ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ንዕድም።

 

Boston11 ሚያዝያ፡2011   ኣገዳሲ ጻውዒት ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ድርብ ጃምላዊ ሓደጋ ጥፍኣት

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!!!

ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።

ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓደ ካብቶም ተስፋ ህዝቢ ዝኾነ ምንቅስቓስ ምኾኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ልክዕ እዩ አብ ጉዕዝኡ ብርክት ዝበለ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎ ኔሩ እዩ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ሽግራት ግን ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ስለ ዝወጸ ዝተረረን ዝበርተዐን ክኽእውን ኣኺኢልዎ እዩ።

ክቡራት ተቐማጦ ስዊዘርላንድ፣

Bernከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ከተማታት ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝጸንሐ ኣኼባታት፡ ንምጥርናፍ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣

Alena ሰላም ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ኣለና’። ንስርዓት ገበነኛ ኢሳይያስን ሰልፉ ህግደፍን ዘቃልዕ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል 16 ክፋል ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐረበ ተኸታታሊ ስኑድ ጽሑፋት፤ ኣስታት 95 ገጻት ኮይኑ ኣሎ።

Alena ሰላም ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ኣለና’። ንስርዓት ገበነኛ ኢሳይያስን ሰልፉ ህግደፍን ዘቃልዕ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል 16 ክፋል ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐረበ ተኸታታሊ ስኑድ ጽሑፋት፤ ኣስታት 95 ገጻት ኮይኑ ኣሎ።

demo.archive.assenna.comኣፍ እቲ ከየድምጽ መሰሉ ዝተገፎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ደው ዝበሉ ኣማሓደርቲ ኣሰና፡ ንሰንበት ዕለት 5/12/2010፡ ኣብ ፓልቶክ Room Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithin ክቐርቡ እዮም።

Waelaከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።

ዕስሎእቶም ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ`ቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፎም ዝተመልሱ ኣሕዋት፡ ተሞክሮታቶም ንህዝቢ ንኽገልጹን፡ ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ ምሳኹም ንኽመያየጡን ኣኼባ ተዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ`ቲ ኣኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም፡፡

Bay Areaክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ። ኣስዒብና ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ህዝባዊ ጸዋዒትና ኣኽቢርኩም ኣብ ኦክላንድ በይ-ኤርያ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ኣድራሻን ዕለትን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባ ንክትርከቡ ብኽብሪ ንጽውዕ።

Genevካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሚክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

EPDPብቀዳምነት ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብወገን ጥዕናኻ ጽቡቕ ክትህሉን ኣብ መነባብሮኻን ኣብ እተካይዶ ዘይሕለል ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ።

Conference

ልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዕለት 23/05/2010 ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ክፉትን ሰፊሕን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ትገብር ስለዘላ፡ ኩሉ ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምን ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብዚ ኣኼባ ‘ዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘማእክልዎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ተዳሊዩ ኣሎ።

EYGMማሕበረኮም ዕላምኡ እንታይ እዩ? ንመን እዩኸ ከገልግል ዝግበኦ? ሽሙ ከም ዝሕብሮ ንማሕበረሰብዶ ወይስ ንውሑዳት ሰባት? ማሕበረኮም መሓውር መንግስታውያን ወይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ድዩ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ነቲ ይውክሎ እየ ዝብሎ ማሕበረኮም ብሙሉኡ ከይፈለየ እዩ ከገልግል ዘለዎ?

ድምጺ ኣሰና፡ ካብ ዕለት 26 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ማዕበል ፈነወኣ ክትቕይር ምዃና ንሕብረኩም።

በዚ መሰረት፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ 26 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ጀሚራ፡ እትፍነወሉ መዓልትታትን ሰዓታትን ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ብ9605 kHz : ኣብ 31MB ክትፍኖ እያ።

ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጀጋኑና ሓቢርና ንክንዝክርን መዓልቶም ንኸነኽብርን፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጢ እዚ ከባቢ ብኣኽብሮት ይዕድም።

 ሽማግለ ኤ.ደ.መ.ዘ. ቦስቶንን ከባብን ኣብዚ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ዝኸፈአ ጥርዚ በጺሑሉ ዘሎ ተኣፋፊ እዋን: ኣብቲ ዘይጋነነን ታሪኽ ውፉይነት ቦስቶንን ከባብን ጸግዒ እምነት ብምግባር፣ በዚ ዝስዕብ ኣርእስታት ክንዝትን ክንውስንን ንኹሉ ኤርትራዊ/ት ብትሕትና ንዕድም።

በቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ኣሰቃቒ ምሕደራ ጉጅለ ህግዲፍ መሰረት ብምግባር ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምቅዋም ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ንዕለት 28-02-2009 (ቀዳም መዓልቲ) ልክዕ ሰዓት 12.00 ቅድሚ ቀትሪ ሰልፊ ክጅመር ምዃኑ እንዳሓበርና ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ሰዓትን ተረኺብኩም መረረኹም ክትገልጹ ብጥብቂ ንላቦ።

ብወገነይ፡ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጕባኤ ናይ ኪዳን፡ ክርስትያን ክዕብሉሉና ይደልዩ ኣለዉ ብዝብል ምፍርራሕ፡ ናይ እስላማውያን ውድባት ደገፍ ረኺቡ፡ ንውድቡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንምስራዕ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ግምት ጥራሕ ኢዩ። ነፍስወከፍኩም ድሕር’ዚ ሓተታ’ዚ ምንባብ ከም ናተይ ይኹን ካብ ናተይ ዝተፈልየ ግምታት ክህልወኩም ከምዝኽእል ኣይስሕቶን ኢየ።

ገዲም ተጋዳላይን ደራሳይን ፍስሓጽዮን ገብረ ብጉዳይ ዶብ ኤርትራን-ኢትዮጵያን ትማልን ሎሚን ብዝብል ዛዕባ ንህዝቢ ንምሕባር ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ፓልቶክ (Paltalk), ኣዳራሽ Eritrean room for strong and united opposition ”