Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

londonእታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ  ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ።

እታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ፈተውታ ብዘበርከቱዎ ወለንታዊ ፋይናንሳዊ ወፈያ ናብ ኤርትራ ብሳተላይት እተመሓላልፎ መደባት ራድዮ ዝጀመረትን ዘሳለየትን ድምጺ ኣሰና፡ ንዝሓለፈ ሓያለ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ መሓዙት ኣሰና ብዘካየዱዎ ዘይሕለል ጎስጓስን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ግዱሳት ብዝሃቡዎ ኣውንታዊ ምላሽን ከም ዝተጠወረት ብምምልካት፡ ናይ‘ዚ ወርሒ ‘ዚ ባጀታ ብተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ክሽፈን ዘለዋ ተስፋ እናገለጸት፡ ነታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን፡ ተቐማጦ ለንደንን መላእ ዓባይ ብሪጣንያን ኢደይ ኢድካ ክብሉ ተዘኻኽር።

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !