Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ሓዘን: ተጋዳሊት ጽገ መንገሻ፡ ብዝሓደራ ሕማም፡ ንነዊሕ ዓመታት ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሓ ብዕለት 20 መስከረም 2017 አብ ሃገረ ጀርመን፡ ካስል ዓሪፋ።

መልእኽቲ ሓዘን  ተጋዳሊት ጽገ መንገሻ፡ ብዝሓደራ  ሕማም፡ ንነዊሕ ዓመታት ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሓ ብዕለት 20 መስከረም 2017 አብ ሃገረ ጀርመን፡ ካስል ዓሪፋ። ተጋዳሊት ጽገ መንገሻ ብንኡስ ዕድሚኣ ብ1977 ኣባል ቀያሕቲ ዕምባባ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይና ዝጀመረቶ

መልእኽቲ ሓዘን

 ተጋዳሊት ጽገ መንገሻ፡ ብዝሓደራ  ሕማም፡ ንነዊሕ ዓመታት ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሓ ብዕለት 20 መስከረም 2017 አብ ሃገረ ጀርመን፡ ካስል ዓሪፋ።

ተጋዳሊት ጽገ መንገሻ ብንኡስ ዕድሚኣ ብ1977 ኣባል ቀያሕቲ ዕምባባ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይና ዝጀመረቶ ቓልሲ ንናጽነት ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ እዛ ዕለት ብሞት ዝተፈለየትና፡ አብ ዕላማኣ ጸኒዓ፡ ህዝባ ካብ ሕሰምን መከራን ከተድሕን ተቓሊሳ። ተጋዳሊት ጽገ በቲ ዝነበራ ከቢድ ሕማም ተስፋ ከይቖረጸት ዋላ’ውን አብ ዓራት ተጋዲማ ከላ ከየተሓለለት ንዲክታተራዊ ስርዓት ህግድፍ ዝመኸተት ጅግና ጓል ኣንስተይቲን፡ ኣደ ጽንዓትን እያ።

ብዕረፍቲ ብጸይቲ ጽገ መንገሻ መሪር ሓዘንን ጽምዋን ይስማዓና። መንግስተ ሰማይ የዋርስኺ።

ስድራ ቤት ብርሃነ መንገሻ ምስ ኩሎም ናይ ቓልሲ ብጾታን ፈተውታን ቤተ- ሰባን።

 

ቦታ ሓዘን ዝግበረሉ  አብ ጀርመን፡ ካስል፤-

Katholische Kirchengemeinde Herz Jesu;

Brüder-Grimm-Str. 121-123

34134 Kassel

ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዝካየደሉ  ቦታ:

አብ ካስል ፦ጀርመን

ሰኑይ ፡ 25 መስከረም

ሰዓት 12 Uhr

Hauptfriedhof Kassel

Tannenheckerweg 6

34127 Kassel

ሰንበት

ቅዳስን ፍትሕን አብ

Elisabeth Kirche

Friedrichspl. 13

34117 Kassel

 

ንሓበሪታ:

 

00491786096233

004915217136173

004917622102613

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Yohannes Tseggay September 22, 2017

    ብሓቂ ሓዚንና!
    መንግተ ሰማያት የዋርስኪ፡ ሓርበኛዊት ብጸይትና።
    ንመላእ ቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም።

  • K, Isaac September 23, 2017

    ዓብይ ሓዘን!
    ፈታዊት ሕዝብን ፍትሕን ሰላምን፡ ተባዕ ተቓላሲት ኃውትና ጽገ፡ ኣብ መንግሥተ-ሰማይ ንዘለዓለም ዕረፊ፡፡ ጽባሕ ዕለተ-ሰንበት፡ እቲ ድኹም ግበረ-ጸሎተይን ጸሎት ስድራቤተይን፡ ምእንታኺ ናብ እግዚኣብሔር ኪኸውን እዩ፡፡ ሠናይ ስምክን ቃልስኽን ኣብነታዊ ጽንዓትክን፡ ብብጾትኪ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኩሉ ግዜ ክዝከር እዩ፡፡ ንመላእ ስድራቤትን ቤተሰብ ጽንዓትን ይሃብ፡፡
    ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

  • Simon G September 23, 2017

    RIP Tsige and condolences to her family and friends.

POST A COMMENT