Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

alenaመደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።

 

ሰንበት ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 16:00 ኣብ ክቪበሪ
Beväringsgatan 9 ብማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን
ፍትሕን ዝተዳለወ መስራቲ ጉባኤ ክግበር ስለዝኾነ

ንሓደ ዓመት ዝኸውን ድሕሪ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ጠጠው ምባለይ፡ ብእኩብ ዝተራኸብናሉ ዕለት ልክዕ ንምዃን፡ ኣብ መዛዘሚ ዓመተ 1995 ኢዩ ነይሩ። ኣብ'ቲ እዋን፡ ድምጻዊ ኢንጅነር ኣስጎዶም ወልደሚካኤል ሓንቲ ናይ'ቲ ግዜ ህብብቲ ዝኾነት ደርፊ ንመሸጣ ቀሪቡሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ እታ፦ "ሃንደበት ኮይኑ መገሻኺ" ዝተሰምየት ካሴት፡ ኣብ ዕዳጋ ምውራዳ ዝሕብር ንግዳዊ ምልክታ ዝዝርጋሓሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ምጅማር ናይ'ታ ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 1996 ንምጽንባልን ንምፍናው፡ ናይ'ታ ዕለታ ትዛዝም ዝነበረት ዓመተ 1995 ንምብዓል፡ ኣብ'ቲ ዋንነት ናይ ደጃች ተስፋሃንስ በርሀ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ከም መዘናግዒ ማእከል ዝፍለጥ ገፊሕ ኣዳራሽ ኩዋ፡ በታ ናይ'ቲ እዋን፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝቖመት፤ ድምጻዊት ሄለን መለስን፡ ድምጻዊት ፋጥና ኢብራሂምን፡ ስውእቲ ናይ መድርኽ ኣቕራቢት ምጽላል ኣርኣያን ብዝርከበኣን ህቡባት ጉጅለ ባህሊ ካናሪ ምዝንጋዕ ክካየድ ስለ ዝተሓበረ፡ ብውርይቲ ናይ ቅዲ ክዳን ኪኢላ ዝኾነት፡ ወይዘሮ ትርሓስ ዝተባህለት ኤርትራዊት ዝውንነን፡ "ትርሓስ ዲዛይን ኢንተርፕራይዝ"፡ ዝተባህለ ትካል ዝተዳለወ ናይ ጽባቐ ኣልባሳት፡ "ፋሽን ሾው" ምርኢት ንምዕዛብን፡ በቲ ዝቐርብ ጣዕመ ዜማ ንምዝንጋዕ፡ ነባር በዓልቲ ቤተይ ዘላቶ ናብ ኣዳራሽ ኩዋ ዘምራሓሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ፍጻመ'ታ ዕለት ሕጂ ኮይኑ ይረኣየኒ።