Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaጋንታ ኣመሪካ ምስቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንሊብያ ዘዕኑን ነቲ ስልጡን ዓለም ዘሕዝንን ኲናት ሕድሕድ ኣብ ትሪፖሊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘካይዶ ርክብ ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን  ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ  ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ።