Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ ኣርባዕተ

 ከም’ቲ ኣብ 2ይ ክፋል ዝገለጽክዎ ናብ’ቲ ስኑድ መዛግብቲ ባዕሉ ንኽዛረብ ኣቐዲመ ገለ ክብል ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ነዚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽካየድ ዘአንገደቶ ዋዕላ ቅድሚ ምወላ ምክያዳ ካብ 1991 ዝሓለፈቶ ናይ በይና ናይ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ምቁጽጻር ሹኩ-ሹኳ መድርኽ ነይሩ ኢዩ

Sinaiኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Friends of Asena Norwayኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132  ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።

ውልቀ መላኺ ኩሉ ናይ ውልቀ ሰባት ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስለዝኸልከለን፡ እቲ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ስማዊ ድኣ እምበር ብግቡእ ስለዘይሰርሕን  ናይ መንግስቲ ማሕለኻታት ስለዝበዝሖን፡ 90 ሚእታዊት ንኤርትራ ዝኣቱ እቕሑትን፡ እቲ ዝርካቡ ካብ ኤርትራ ዝወጽእ ሰደድን ኮንትሮባንዳ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭትት የርድኡ።

foodaid

ኣብዛ ሓንቲ ዓለም ክልተ ህይወት ኣሎ። ኣብዚ ከም ስደተኛታት እንነብረሉ ዘለና ምዕራባዊ ኩርናዕ፡ ሰባት ኣመና ሰቢሖም፡ ከሲዖም ክሞቱ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዚ ንሳቶም ክሰዐ (Obesity) ዝብሉዎ መግቢ ካብ ምግፋጥ ዝኽሰት፡ ዓቐኑ ዝሓለፈ ክብደት ኣስዒቡ ንሰባት ዘልምስ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝቐትል ተረእዮ፡ ከም ኣዝዩ ሓደገኛ ማሕበራዊ ጥዕናዊ ጸገም መበል 21 ክፍለዘመን ጠሚቶም ሰበልጣን ናይዘን ሃገራት ከም ዕዙዝ ፖለቲካዊ ጉዳይ ጎስጓሳት የካየደሉ። በንጻሩ ኣብ ሃገርና ሰብ ብኽቱር ጥምየት ይመወት ኣሎ። ቃል ንቓሉ ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ደቆም ባዕሉ ዝረሸነሎም ስድራቤታት፡ ናይ ዝተቐትሉ ደቆም መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ናብ ምምሕዳር ዓዲዃላ ጸዊዑዎም ከምዘሎ፡ እዚ  ስግንጢራዊ ስራሕ ናይቲ ባዕሉ ገበነኛ ክንሱ ንግዳያት ዘዐዲ ስርዓት ንህዝቢ ኣርሚሙዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብኣንክሮ ገሊጾም። 

 wegahtaኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።