Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

genevaኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።

Swisብቀዳም ዕለት 18.12.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዙሪክን ከባቢኣን መግለጺ ተዋሂቡ።

ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ ኣብ ስዊስ ብቀዳም ዕለት 18.09.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ጻብጻባ ንህዝቢ ኣቕሪባ። ካብ ስዊስ ሰለስተ ወከልቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ተሳቲፎም።

Genevካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሚክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

mariam

ዓመታዊ ብዓል ማርያም ደዓሪት ቀዳም ዕለት 22 ግንቦት 2010ዓም ኣብ ከተማ ጀኔቭ ስዊስ ክንገድ ስለ ዝኾነ ንኹልኽን/ም ብኽብሪ ንዕድም።

Conferenceብምኽትል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ (ኣ.ሽ.ሃ.ዋ.) ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን፣ ብኣቶ ጎይትኦም ኩፍሎም፣ ኣባል ኣ.ሽ.ሃ.ዋ. ክፍሊ ሰነዳትን፣ ዝመርሕዎ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ንተቐማጦን ሓደስቲ ስደተኛታትን ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊስ ተካይዱ።

ኣብ ስዊስ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱን ነበርትን ኤርትራውያን።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣብ ዝጭቆነሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይከብረሉ፣ መንእስያትና ግዳያት ናይ ምድረበዳን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕሪን ዝኾንሉ፣ ብሰንኪ ጉጉይ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሃገርና ትባድመሉ ዘላ ግዜ ፣ ብሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ስለ ዝተወሰነ፣ ነዚ እገዳ ዘይፍትሓዊ ኣምሲልካ፣ ንገርሂ ህዝብና ንምድንጋር ድማ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተወሰነ ጌርካ ንዝግበር ዘሎ ሸፈጥን፣ ፋኸራን፣ ህግዳፋውያን ንምልከቶ አሎና። ንሓልዮት ህዝቢ ድማ ኣይኮነን። ነቲ ብሓይሊ ወተሃደር ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ዘሎ መራሒኦም ዕድሜ ስልጣኑ ንኸናውሑ፣ ዝግበርዎ ዘለዉ ኮንቱ ፈተነ ኢዩ።

24 ግንቦት እቲ ቐንዲ ዕላማኣን ምስጢራን ኣገባብ ኣባዓዕላኣን ከይሓዘት፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ጀሆ ኮይና ብህግደፍ እትምእከል በዓል ነጻነት መደለቢት ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንንግስነት መራሒ ህግደፍ ክንቕበል፣ ንጭቖናኡ እህህ ከይበልና ክንውሕጥ፣ ሃገር ብኹሉ መደይ እናኣንልቖለት ከላ ዓይንና ክንዕምት፣ እሱራት ፖሎቲካ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑን ከእዉዩን እዝንና ክንዓብስ፣ መንእሰያትና ሃጽ ኢሎም ክስደዱ  ከም’ቲ ንሱ ዝሕጭጨሎም ክንሕጭጭን ክንወራዘን ፣ ብሕጽር ዝበለ ውርሒ ግንቦት መንገዳ ሲሒታ፣ ታሪኽ ጀጋኑና ሓኺኻ፣ ንዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት ንክብርን ዝናን ፕረሲደንት ትባዓል ኣላ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ፣ ከም ኣመሎም ህዝቢ ከደናግሩን ክሓልቡን ህግደፋውያን፣ንዕለት 01.11. 2008ዓም  ካብ ኤርትራ ተዋሳቲ ጉጅሌ ጸዊዖም፣ ሙዚቓ መደብ ኣዳሊዮም ኣለዉ። እዚ ናይ ሙዚቓ መደብ ኢዚ ኣታዊኡ ንበትሪ ወልቐ መላኺ ከም ዘተርርን ኣምሰዩኡ ከኣ መጨፍለቕን መጨቆንን ህዝብና ከም ዝውዕል ኣይትስሕትዎን ትኾኑ።

ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጸሓይ ከም ዘሎና ዝዝንግዑ ህግደፋውያን፣ ንህዝቢ ከታልሉ፣ ኣይከኣሉን። ተቓወምቲ ዜጋታት ተቐማጦ ስዊስ ነዚ መደብ ከይጀመረ ክፈሽል ንህዝቢ ብምምሃርን ብምምዓድን ጀመርናዮ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ’ቲ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ኣደራሽ፣ ተረኺብና “ቐዳምነት ቁዋማዊት ሃገር” “ንሕጊ ዝጸልእ ንባርነት የፍቅር” ዝብል ጭርሖን ዝዝርጋሕ ወረቓቕትን ሒዝና፣ ሰላማውን ሕጋውን ተቓውሞና ኣርኢና።

ሊስ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት፡ ንኣድላዪ ሕቶ ወሲዶሞም፥ እቶም መንእሰያት ከምዝተለቐቑ ክፍለጥ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም
ደገፍቲ ወፍሪ ዘመተ ግን ዝበጽሓና ሓበሬታ የለን። ብድሕሪዚ ኹሉ፣ እቲ እኼባ ናይ ዘመተ ዕላምኡ ከይወቕዐ ፋሕ
በለ።