Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hustonእቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።

Sinaiፖሊስ ምስሪ ንሓንቲ ቆልዓ ሒዛ ብሓውሲ ደሴት-ሲናይ ናብ እስራኤል ክትሰግር ዝፈተነት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፡ ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ብጥይት ከምዝቐተሉዋ ሮይተርስ ካብ ምስሪ ሓቢሩ።

 

(ስእሊ፡ ሓላፊ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኮለኔል ተስፋልደት – ካብ ርሑቕ ዝተሳእለ – ስእሊ ንዝለኣኸልና ምንጪ ነመስግን)

ስርዓት ህግደፍ ምስቲ ብሓሙስ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ-ኣጣል ዝተኻየደ ናይ ቅትለት ፈተነ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝኣሰረ ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ድምጺ-ኢሬና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።