Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

london ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።

ንሕና፡ ኣብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም እንርከብ ኤርትራዊያን ጠበቓታት፡ ናይ ሕጊ ምሁራት፡ ሰብ ሞያን፡ “ኤርትራዊ ናይ ሕጊ ማሕበር” ምምስራትና ከነበስረኩም ከሎና ሓጎስና ወሰን የብሉን።

እዚ ንኣትዎ ዘለና ዓመተ 2008 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከም ነበልባል እናተወልዓ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ብዝያዳ ዝሕይለሉ ዓመት ንክኽውን ኩላትና ክንሰርሓሉ ዘለና ዓመት እዩ።