Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

EGSእቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።

egmሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ  ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።

ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::

EYGM

እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።

eygmሎም ምሸት: እቲ ብ 24 ግንቦት 1991 ዝተረኽበ መሬታዊ ነጻነት ሃገርና ኤርትራ እንዝክረሉ ዕለት እዩ:: ነቲ ዕለት ቲ ክዉን ንምግባር: ዝተኸፍለ ዋጋ ክቡር’ዩ :: ንዑዑ ንምርካብ አእላፋት ብሉጻት ደቅ ህዝቢ ብመን-ሕራይ ካብ ቤቶም ናብ በረኻ ውጺኦም: ከርተት ኢሎም እዮም::

Shefieldትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።

Londonመጸዋዕታ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንኩሉኹም ኤርትራውያን

london ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።