ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።
ኣብዚ ዘሎናዮ ሰሙን፡ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ወረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕቶን መልሲን ክህብ ኢዩ ኢለን የመልክታ ኣሎዋ። መሰናይታ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከኣ ስእሊ ኢሳያስ ኮኒ ኢልካ ዝተመርጸ ምስ ፍሽኽታኡ የርእያ ኣሎዋ። “ክርእይዎ ዝጸልኡዎስ ኣብ ቤት መቕደስ ቅበሩኒ”በለ ከም ዝብሉዎ ኣቦታትና፡ ኢሳያስ ብህዝቢ ክንደይ ከምዝተጸልአን ከም ዝተፈንፈነን ኣይርድኦን እዩ።
ህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።
11 ሚያዝያ፡2011 ኣገዳሲ ጻውዒት ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ድርብ ጃምላዊ ሓደጋ ጥፍኣት
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዳርጋ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ ማሕበራት ውልቀ ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ፣ሰፊሕ ዋዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ከምዝነበረ ኩሉ ዝዝክሮ ኢዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ፍጻሜ እናተኻየደ ብቐጥታ ዝደወልናሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ስነስርዓት ገሊጾም።
እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።
ሓደ ተራ ቱኒዝያዊ፡ “ ሎሚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ርእየዮ ዘይፈልጥ ገጽ ቱኒዝያ እርኢ ‘ለኹ። ቅድም፡ ኩላትና ንሕሱ፡ ብሓሶት ነንሕድሕና ንጠቓቓዕ ኔርና። ሎሚ (እቲ መላኺ ምስ ተኣልየ) ግን ነንሕድሕድና ተኣማሚና ኢድ ንኢድ እናተሓጋገዝና ብሓባር ንሰርሕ ኣለና።” ይብል።
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ
ሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።
ኣስመራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕማቕ ኢያ ዘላ። ኣብ ግዜ ለይቲ ሓሓሊፉ ድምጺ ጠያይት ይስማዕ ኣሎ። ንግሆ ሓያሎይ ሰባት ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ከም ዝተጋጨወት መኪና ኣብ ኣንጎሎታት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ።
ህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡ ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።
ዓርቢ፡ ዕለት 29 ጥቅምቲ : ሰዓት 10 ቅ.ቀትሪ (Friday 29 October,10 am) ክካየድ ኢዩ።
ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ኣስመራ ክሳብ ተሰነይ፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ባጽዕ ናብ ዓሰብ ተዘርጊሑ ዝነበረ ምእንታውን ምውጻእን ሰባት ብምቍጽጻር ዓቕሊ ሰብ ከጻብበሉ ዝጸንሐ ናይ ሓለዋን ተፍትሽን ንቕጣታት (ኬላታት) ኣብዚ ቕንያት’ዚ ከምዝገደፎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብዓይኒ ህግደፍ ቀዳማይ ጸላኢኡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሰምበል ብድሕሪ ሆቴል ኢንተር ኮንቲነንታል /ኣስማራ ፓላስ/ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ሓደስቲ ናይ ተለኮሙኒኬሽን ህንጻታት ብሸበድበድ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትካል ተለኮሙኒኬሽን ሓደ ካብ ቀንዲ መሓውር ስለያ ህግደፍ ካብ ዝኸውን ሓያሎይ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ።
ውሩይ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊ፡ መምህርን ናይ ቋንቋ ተመራማርን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ነታ ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበራ ‘ሓንቲ ዓለም’ እትብል ተነባቢትን ማራኺትን ናይ ትግርኛ ዓምዱ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ክቕጽላ ብምውሳኑ፡ demo.archive.assenna.com ብስማን ብስም ተኸታተልታን ‘ኣሰየ ኣሰና!’ ትብሎ። ምስኣ ሓቢርኩም፡ ንኣማኑኤል ሳህለ ‘መርሓባ !’ ከተባህሉዋ ኸኣ ብሓጎስ ትዕድመኩም።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
ስርዓት ህግደፍ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጌግኡ ተኣሚኑ፡ ሓቅነትና ተረጋጊጹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጌጋ ይግምግሞ ‘ሎ ክብል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ሓሶት ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።