Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

bay aireaህዝብና ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ ደረት ኣልቦ ቅዝፈት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ መሪር ሓዘን ይርከብ። ሞት ናይዞም ኣስታት 400 ኤርትራውያን ዕሸላት ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራውን ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣስካሕኪሕዎን ኣንቀጥቂትዎን እዩ። እህህ ኢልና ኣምሪርና ሓዚና እኳ እንተኾንና እቲ ጓሂ ግና ክወጽኣልና ኣይከኣለን።

Californiaኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።

Sanfranciscoመጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ

FootballThanksgiving 2010 ውድድር ኩዑሶ ኤርትራውያን ኣብ ምጭውቲ ከተማና ሳንድያጎ ካሊፎርንያ ብኣዳላዊት ጋንታ ሳንድያጎ ካብ ዕለት 26-27 ኣብ ወርሒ November ክካየድ ከምዝኾነ ንኹለን ተሳተፍቲ ጋንታታትን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ክንሕብር ንደሊ።

San DThanksgiving 2010 ውድድር ኩዑሶ ኤርትራውያን ኣብ ምጭውቲ ከተማና ሳንድያጎ ካሊፎርንያ ብኣዳላዊት ጋንታ ሳንድያጎ ካብ ዕለት 26-27 ኣብ ወርሒ November ክካየድ ከምዝኾነ ንኹለን ተሳተፍቲ ጋንታታትን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ክንሕብር ንደሊ።

Sandiagoእቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።

Sanfootballከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ኣብ ቅነ Thanksgiving ኣብዚ ንርከቦ ምዕራባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝካየድ ናይ ኤርትራውያን ውድድር ኩዕሶ እግሪ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ክካየድ ጸኒሑ’ሎ።

እታ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ተባሂላ ክትሽየጥ ዝወርሔት ሎተሪ ትማል መስከረም 4 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ወዲቃ። ኣብቲ ብማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብመበል 49 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲን መበል ካልኣይ ዓመት ናይቲ ማሕበርን ዝተገብረ በዓል እያ ወዲቃ፡ ተመሳሳልውን ዝሓልፈ ዓመት ተጌሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። 

እታ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ተባሂላ ክትሽየጥ ዝወርሔት ሎተሪ ትማል መስከረም 4 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ወዲቃ። ኣብቲ ብማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብመበል 49 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲን መበል ካልኣይ ዓመት ናይቲ ማሕበርን ዝተገብረ በዓል እያ ወዲቃ፡ ተመሳሳልውን ዝሓልፈ ዓመት ተጌሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። 

Asena Californiaእዚ ንድምጽና ድምጺ ውጽዓት ዝኾነት ድምጺ ኣሰና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ ብዓቕምና ኣበርክቶና ከነወፊ የዕሩኽቲ ኣሰና ተዳሊና ንርከብ። ነዚ ቁዱስ ሃገራዊ ዕላማ ሸትኡ ንኽወቅዕ ኩሉኹም ፈተውቲ ሀገርን ህዝብን ኤርትራ እጃምኩም ከተወፍዩን ንኣሰና ናብ ንቡር ሂወታ ኣብ ምምላስ ተራኹም ንኽትጻወቱ ንሕና የዕሩኽቲ ኣሰና ብኽብሪ ንዕድመኩም።

eri USመንግስቲ ኣመሪካ፡ ከም መርኣያ ናይቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነበረ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ኤርትራ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ቢቢሲ ሓቢሩ።