Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

Sandiagoእቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።