Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚልኪያስ ምሕረተኣብ፡ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም ብዕለት 21- 12- 2010 < ንእሽቶ ምኽሪ ንሓው ኣለና> ዝብል ኣርእስቲ ሰለስተ ነጥብታት ገሊጽካ።

እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሞትን ጥይትን ህግደፍ ተሳጊሮም ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ዝፈትውዎምን ዘፍቅርዎምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በረኻ ሲና ንኣሞራ ብሰንኪ ህግደፍ ወፍዮም ኣብ እስራኤል ዕቑባ ዝሓተቱ መንእሰያት ማእለያ የብሎምን።

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።

 መልእኸቲ ብስም ኣብ ማእሰርቲ ካብ ዝርክቡ ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ን2ይ ጊዜና ካብ ቤት ማእሰርቲ እንሰዳ ዘለና መዘክር

READ MORE

መጀመርያ ነዚ ሎሚ መዓልቲ ብስም ኤደኪን ብስም ሲቪካውያን ማሕበራት ዝተጸውዔ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ንኣብ ሕቖን ማእገርን ናይ ህዝብኹም ተጻዒኑ ዘሎ ጨካን ግፍዕን ጭቆናን ናይ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ካብ ስሩ ንምምሓው እዩ። ስለቲ ተባዕን ቆራጽን ዝኾነ ህዝባዊ ሓላፍነትኩምን ተወፋይነትኩምን ድማ እንዳ ኣመስገና እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም ንብል።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።