Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Tunisድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

Rightsስርዓት ህግደፍ ነቲ ንገለ እዋናት ኣዋዲቑዎ ዝጸንሐ 50 ሽሕ ናቕፋ ‘መቕጻዕቲ’ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዘምለጡ ዜጋታት ብምቕጻል፡ ንወለዲ የሸገርን ይኣስርን ከምዘሎ ካብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ዝኸበርኩም ኣንብብቲ  ኣርእስቲ ናይዛ ጽሑፍ ከም እትግንዘብዎ ካብቲ  ኤርትራዊ ንሃገሩ ምግዳልን ምቅላስን ማዕረ ክንደይ ከቢድን ጽንኩርን ምዃኑ ንምግላጽ እተጠቕመላ ኣበሃህላ እተወስደት እያ። እወ እቲ ጉዕዞ እቲ፡ቀሊል ጉዕዞ ኣይነበረን።

churchesመንግስቲ ህግደፍ ኣብ 2005 መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ንተዋህዶ ሃይማኖት ብኣዋጅ ናይ መንግስቲ ተደናጋጺትን መሳርሒትን ምዃና ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ይፍጽም ኣሎ።

ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።

ጠንቂ ስደት ዘይቅሳነት ፍርሂ ጭቆና ኣብ ገሊኡ ከኣ ጸገም ጥሜት ዘምጸኦ ኢዩ።ሃጼ ኃይለስላሴ ኤርትራ ኣድኪኻ ናይ ምግዛእን ኤርትራውያን፡ካብ ዝኾነ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክርሕቑ ብጥበብ ንማእከል ሃገር ክስደዱ ገይሩ።ነዚ ቅርጡው ጥበብዚ፡ካብ ገዛእትን ካብ ራሰይቲ ዝተረፈ ትካላት ኤርትራ ቦርቒቑ ንማእከል ሃገር ብምግዓዝን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ምዕባለ ከይረአ ንኤርትራ ሓኒቑ ሒዙዋ።ሃገራዊ ስሚዒትን ምትእኽካብን ኣብ ማእከል ሃገር ኣይተረፍምበር ሚስጢራዊ ጥበብ ምሉእ ንምሉእ ውጺኢት ኣርእዩ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ተሰዲዶም።

POST TAGS:

atlantaኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ናይ ገዛእ ርእሶም ዳሳት-ነጻነት ብምትካል ነቲ ብመሪር ተጋድሎ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብውዕዉዕ መንፈስ ምጽንባሎም እዩ።