Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

guardsስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ኣስመራ ክሳብ ተሰነይ፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ባጽዕ ናብ ዓሰብ ተዘርጊሑ ዝነበረ ምእንታውን ምውጻእን ሰባት ብምቍጽጻር ዓቕሊ ሰብ ከጻብበሉ ዝጸንሐ ናይ ሓለዋን ተፍትሽን ንቕጣታት (ኬላታት) ኣብዚ ቕንያት’ዚ ከምዝገደፎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ  ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።