Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Australiaኣብ ሓደ ግዜን ንተመሳሳሊ ዕላማን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ዝረከቡ ኤርትራውያን ሰለማዊ ሰልፊ ንከካይዱ ዝወጸ ዝተወሃሃደ መደብ ኣብ ኣውስትራልያ መልበርን’ውን ትማሊ ቀዳም ዕለት 26/3/2011 ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻይዱ።

ዓመት መጸ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ምፍጣጥ ንታሽዓይ ዓመቱ ሎሚ ዘመን’ውን ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ብሳዕብቲ’ቲ ጨፍላቒ ስርዓት ዝተመርጸ ቦታ ተገይሩ።

Melbourneብመከራን ስቓይን ህዝቦም ዝግደሱ፡ ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን፡ ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።

ህላወን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ እናንቆልቆለን እናኸፈአን ይኸይድ ከምዘሎ ንኩሎ ኤርትራዊ ብሩህ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ብዕሉግ ፖሊሲ ህግደፍ ከቢድ ጥምየት፡ ራዕዲ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማእሰርቲ፡ ዝኣመሰሉ ሽግራት ደረት ተሳኢንዎም ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ምደረበዳታት ሳሕራን ማእከላይ ባሕርን፡ ቃፍላያት ሰደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተራኣየሉ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ ክባሃል ይኽእል። ነዚ ድማ እዩ መራሒ ህግደፍ ብባጫን ኣሽካዕላልን “ፓሳጆ እዮም ከይዶም ዘለዎ ክምለሱ እዮም” ኢሉ ብጥፍእትን ህልቂትን መንእሰያት ከላግጽ ዝወረሐ። እዚ ዘሕዝን ህልቂት’ዚ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝትንክፍ ክንሱ፡ ገለ ብደዎም ዝለመሱ ሰዓብቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ መንጠሊና ሕፍረት ተጎልቢቦም ክንሶም ጥፋኣትን ህልቂትን አሕዋቶምን ህዝቦምን ምግላጽ ዘሕፍሮም ጉዳመኛታት ምህላዎም ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።