Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንገዲ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል (ጋሕተላይ) ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቒሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል ጋሕተላይ ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቂሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ዳን ኮኔል ዝተባህለ ኤሜሪካዊ ጋዜጠኛ፡ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ኣብ ምልላዩ ዓብይ ግደ ዝተጻወተ ጋዜጠኛ ኢዩ።ንሱ ኣብ መወዳእታ 2003 ኣብ ቦስቶን ኣሜሪካ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማሕበር ኣፍሪቓዊ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ይኣክል፡ነቐፈታ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ነቐፈታ መወዳእታ፡

ኣቦታትና ክምስሉ ንድሕሪት ጠምት ንቕድሚት ኣምት ይብሉ ማለት ካበይ ተበጊስካ ኣብቲ ጉዕዞ ኸ እንታይ ጽቡቕን ሕማቕን ኣጓኒፉካ ሓሲብካን ገምጋም ጌርካን ናብቲ ዝቕጽል ጉዕዞ ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ሕማቕ ንኸይድገም ይሕግዘካ ማለት ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣካያዲ ሚንስትሪ ዜና ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎን የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ ኮይኑ ዘይሕጋዊ ስግረዶባዊ ስርሒታት ኣብ ምክያድ ብምንጥጣፉ ዝፍለጥ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ)  ኣህጉራዊ ናይ መገሻ እገዳ ክገብር ከምዝወሰነ ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብቲ ኣብ ነውዮርክ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።


ኣብ ኣስመራ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ድኻምን ዘይሜላዊ ኣተሓሕዛን ኣሰራርሓ ተቓወምትን መሰረታትን ገምጊሙን ተታባቢዑን እንሆ ሸርሓዊ መስምር፡ ዕንወትን ንምስፋሕፋሕ ኣጽፋሩ ስሒሉ በቲ ቀንዲ ናይ ስለላ መርበቡ ክቕጽሎ  ይህንደድ ኣሎ። ኣብ ከርሲ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣብ መንጎ ሕማምን ዓጸቦን ብዓቢኡ ድማ ፍትሐ-ኣልቦ ዝዓብለሎ ዕለታዊ መነባብሮ ኮነ ክጻወሮ ዘይክእል፣ ወስ ዘየብል ሓለዋን ዘይንቡር ምቁጽጻርን ከይኣኽሎ፤ ምስቶም ኣብ ግዳም ተሰዲዶም ዝርከቡ ደቁ፣ ብሰላም ከይነብር በቶም  ንኤርትራዊ ዝተሰደለን ሃገራት ክስልዩ ዘዋፈሮም ናይ መርበቡ ኣቢሉ ናይ ዓመጽ ዓንኬላት ይዝርግሕ።


ስርዓት ህግደፍ ኣማኑኤል መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ንዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብፊዝክስ ዝተመረቐ መንእሰይ ኣብ ዶብ ሱዳን ብተመልከትለይ ተኵሶም ከምዝቐተሉዎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኣማኑኤል መሓሪ፡  ብ2001 ዓመተ ምህረት ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ Eritel ዝተባህለ ትካል ከም ናይ ኢንተርነት ቴክኖሎጂ ክኢላ ንሸውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ።

ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኤርትራ ካብ ውልቀመላኺ ብዝተዋህባ መምርሒ መሰረት፡ ብህጹጽ ኣብ ጎደይቲ ኣብ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ ብጻምላኽ ናይ መብራህቲ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ናይ ዕለት 5.6.2009 ሕታም ኣፍሊጣ፡፡

እዞም ደቂ ዓዲ ከምዚ ይብሉ "put your money where your mouth is". እዚ ከኣ ንዝኾነ ይኹን  ጉዳይ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ'ውን ክርኤ ኣሎዎ ማለት እዩ። ብካልእ ኣርዘረባ ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብ  ኤርትራ ዘሎ ግፍዒ ምንጽርጻርን ምሕማይን ምውርዛይን ፈኸራን፣ ከምኡ'ውን ብመልሓስካ ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ንሃገሩን ንህዝቡን ሓላይን ኣስቆርቋርን ምምሳል ንግዜኡ ንሕደጎ'ሞ ሃየ ብግብሪ ነርኢ ማለት እዩ። ስለዚ ብሓጺሩ ኩሉ ናይ በለጽ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘሎዎ ኤሪትራዊ፡ ኣብዚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ግዜኦምን ገንዘቦምን ወፍዮም ዘዳልዉልና ዘሎዉ ሰልፊ፣ ኣብ ዋሽንቶን ክንራኸብ ኣሎና ማለት እዩ።

atlantaኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ናይ ገዛእ ርእሶም ዳሳት-ነጻነት ብምትካል ነቲ ብመሪር ተጋድሎ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብውዕዉዕ መንፈስ ምጽንባሎም እዩ።

24 ግንቦት 1991 ንህዝቢ አርትራ ዓቢ ሃገራዊ በዓል እዩ። እወ ናይ ሓደ ዘበን መሪር መግዛእቲ ባዕዳዋውያን ሓይልታት፡ ብኽቡር መስዋቲ ቡሉጻት ዜôጋታት ዕዉት ስለ ዝኾነ።

atlantaውራያትን ጽምብላትን ህግደፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይሓቍፍ፡ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምጥርናፍ ሃገራውነት ኤርትራውያን ንምዕዛዝ ዝዓለመ ሰፊሕ ብዓል ንዝወደቡ ተባዓት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ኣብ ቀጻሊ ዘመተ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ንዘቕረበሎም ካልኣይ ኣውያት ኵነኔን ትእዛዝን ነጺጎም ሃገራዊ ብዓሎም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ንምጽንባል ምድላዋቶም ኣብ ምቕጻል ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ምስናይ መረጋገጺኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

villages

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብምኻድ፡ ካብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡሉ ዘሎ ከባቢ ዓሊግድርን ፋንኮን ገርሰትን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ምፍንቃል መደባት ንኽቃላጠፍ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ፖርትስሚዝ፡ Haslar፡ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 5 ኤርትራውያን መንእሰያት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዮም ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ከናግፉዎም ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም።

isu

ትማሊ 28 ሚያዝያ ዝተሓትመት ኣፈኛ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ “ኣብ ስዊዘርላንድ ተዓጊቱ ዝርከብ ንሰብ ስልጣን ናይጀርያ ዝተዋህበ ናይ 150 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ናብ ናይጀርያ ክምለስ ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድ ኣፍሊጦም፣ ሃሊበርተን ዝተባህለ ትካል ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ጨረታ ወፍሪ ምእንቲ ክዕወት ንሰበ ስልጣን ናይጀርያ 180 ሚልዮን ዶላር ብላዕ ዓዲሉ ምንባሩ ‘ውን ብልሽውና ብእተጻሪ ሽማግለ ከም እተኸሸሐ ይፍለጥ፣” ክትብል ኣብ ዜናዊ ዓምድታታ ኣስፊራ።

harat

እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2006 ናብ ባጽዕ መጺኣ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ዝተመረቐት፡ 350 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዋ፤ኣብ ሓደ እዋን 2800 ገያሾ ከተእንግድ እትኽእል፤ኣብ ዝባና እውን ሄሊኮፕተር እተዕልብ ምዃና ዝተነግረላ ናይ መጓዕዝያ መርከብ፡ ዋላ እኳ ዞባዊ መገሻታት ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራዊ መገሻታት ድማ ናብ ዓሰብ ክትገብር ምዃናን፡ ስርሓ ካብ ጂዳ ናብ ባጽዕ ብእትገብሮ ጉዕዞ ከምትፍልሞን ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብኣግኡ ከምዝተሰወረት ምንጪታት ውሽጢ ኣረጋጊጾም።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

NW

ናይ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ፡ ጌና ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ዝረኽበሉ ግድፈት እንተረኺቡ ዓይኑ ዝሓሲ ውድብ ኣይነበረን። ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ፡ ብመንገዲ ምቁጽጻር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ናይ ስራሕ ኣሳላጥን ናይ ምስሊ ወናንን መሓመድ ኣልኣሚን ገረወይና /ወዲ ገረወይና/፡ ነቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነበረ ናይ ጓሓፍ ኩንትራት፡ ብጹጹይ መንገዲ ተተሓሒዘምዎ ዝነበሩ። 

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።

dim

ቀንዲ ልኡኽ ናይቲ ‘ብሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝፍለጥ መፍላቒ መሓውር ሃይማኖታዊ ናጽነት ህግደፍ ብምዃን፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዘራኸሰ ዝንገረሉ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ከቢድ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝገድፉሉ ንደሓር፡ ብጽኑዕ ሓለዋ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

CON

113 ኤርትራውያን መሃንድሳትን ጆመትራታትን ቀየስትን “ግብሪ ብግቡእ ኣይከፈልኩምን“ ዝብል ክሲ ተመስሪቱሎም ጉዳዮም ን2 ዓመት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰኑይ 6 ሚያዝያ 2009 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝውዓለ መጋበእያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ንኹሎም ክሱሳት ጸዊዑ ኣብ ዘመሓላለፎ ጃምላዊ ፍርዲ ንነብሲ ወከፎም ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 130 ሽሕ ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ሽዑ ንሽዑ ክኽፍሉ ከምዝበየነሎም ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ሽዑ ዝኸፈሉ 86 ሞያውያን ብዋሕስ ክፍትሑ ከለው፡ እቶም ዝተረፉ ደቀንስትዮን ኣደ ቆልዑን ስንኩላንን ዝርከብዎም 27 ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጕኖም ኣለው።

mesfn

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።

merkelኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን፡ ቪነንደን ኣብዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤትትምህርቲ፡ብ 11 መጋቢት 2009 ዘሕዝን ፍጻሜ ኣጓኒፉ። ቲም ክረትሽመር ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ፡ካብ ገዝኡ ብዝሰረቓ ናይ ኣቡኡ ብረት፡ዓሰርተክልተ ተመሃሮን መምህራንን፡ ሰለስተ ካልኦትን ገዛእ ርእሱን፡ ብሓፈሻ 16 ትንፋስ ኣጥፊኡ። እዚ ፍጻሜ እዚ ንህዝብን መንግስትን ጀርመንን ንካልኦትን ዘሕዘነን ዘሰምበደን ኢዩ ነይሩ።

isuኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስደት ካብ ዝጅምር ፍርቂ ዘመን ሓሊፉ ኣሎ። እቲ ነቦሓጎታትና ዝቐዘፈ ወፍሪ ትሩቡሊ ኣብ ጸብጻብ እንተ ኣእቲናዮ ድማ ዳርጋ ናብ ሓደ ዘመን ይጽጋዕ። ስደት መሪር ምዃኑ ንማንም ሰብ ብሩህ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ እንተ ተዛረብኩ መደረ’ዩ ክኸውን። ስለዚ፣ ብቐጥታ ናብቲ ዘገድሰኒ ጉዳይ ክኣቱ’የ።

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።

ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ህግደፍ ሕሳብ ባንክ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ውልቀ ኤርትራውያንን ማሕበረ-ሰባትን ክሰሓብ ተወሲኑ፣

bond“ቦንድ“ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማይሑጻን ዓዲኣቤቶን ሰንበልን ሓዝሓዝን ማይተመናይን ዝርከብ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን መንበሪ ኣባይቲ ንከሰርሑ ዝተዋህበ መሬት፣ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዛዘመን፣ ሓዲግ መዲግ ስለዝተረፈን፡ ብመንግስቲ ክጻፈፍ ተባሂሉ ንዝወጸ መምርሒ ድማ ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦን፡ እቲ ኣባይቲ ኣብዚ ጊዜዚ በጺሕዎ ዝርከብ ደረጃ-ፍጻሜ ብዘየገድስ ፣ ካብ ውልቀወነንቲ ተወሲዱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ንክኣቱ፣ እቲ ክሳብ ሎሚ ወነንቲ-ኣባይቲ ዘውጽእዎ ናይ ህንጻ ወጻኢታት ድማ ብሚኒስትሪ ህንጻ ተተሚኑን ተገምጊሙን ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ፡  ካብ ኣስመራ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

hr ዝብሃል ዓቢ መንግስታዊ ሚድያ ጀርመን ነቲ ኣብ ፍርናክፈርት ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ዝገበረሉ ናይ ቴለቭዥን ሸፈነ ተመልከቱ።

READ MORE

Eriልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Frankfurtጻማ ፍረቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ናብ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ንዘውዓለ ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን:ፍትሒ ዲሞክራሲን  ሰብኣዊ መሰልን ዝጠልብ  ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ28 ለካቲት  ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተካዪዱ::

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

Goitom

 

 

 

 ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ሊንክ “ምንኣስ ናጽነት ተቐዚፉ” ጠውቑ