Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ  ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።

Enoughኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ሓደ መንእሰይ ተጋዳላይ፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ኣስመራ (ኮምብሽታቶ) ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምስ መሳትኡ ኣብ ዕሙር ዕላል ተጸሚዱ ኸሎ፡ ሓደ ስሉጥ-ሎቶሪ ዝሽይጥ ቆልዓ ሃንደበት ድምብር ኢሉ፡ “ሎተሪ ሎቶሪ” ኢሉ እናድሃየ፡ ነቲ ጥማር ሎተሪ ናብ ኢዱ ውትፍ ኣበለሉ።

ሎሚ ምሸት 11 ጥሪ 2010 ሓደ ኣብ ሊብያ ዝነብር ኤርትራዊ ደዊሉ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ማለት 47 ደቀንስትዮ ኣብ / ማእሰርቲ ዛውያ፡ 98 ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጋራጂ፡ 200 ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትሪፖሊ፡ ብድፍኢትን ምትሕብባርን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሊብያ፡ ብበትሪ እናደሰቑ ንኤርትራ ክምለሱ ፎርም ኣምሊኦሞም፡ ኣብ ሳልስቲ ንኤርትራ ክወስድዎም ኣብ ምሽብሻብ ኣሎዉ ክብል ሓቢሩ።ስለ ኩሉ ኣብ ድያስፖራ ዝነብር ግዱስ ኤርትራዊ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣውያቶም ከስምዓሎምን ካብ ሓደጋ ከድሕኖምን ብምምሕጻን ሓገዞም ይሓቱ ኣሎዉ።

ኣብ ኣስመራ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ድኻምን ዘይሜላዊ ኣተሓሕዛን ኣሰራርሓ ተቓወምትን መሰረታትን ገምጊሙን ተታባቢዑን እንሆ ሸርሓዊ መስምር፡ ዕንወትን ንምስፋሕፋሕ ኣጽፋሩ ስሒሉ በቲ ቀንዲ ናይ ስለላ መርበቡ ክቕጽሎ  ይህንደድ ኣሎ። ኣብ ከርሲ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣብ መንጎ ሕማምን ዓጸቦን ብዓቢኡ ድማ ፍትሐ-ኣልቦ ዝዓብለሎ ዕለታዊ መነባብሮ ኮነ ክጻወሮ ዘይክእል፣ ወስ ዘየብል ሓለዋን ዘይንቡር ምቁጽጻርን ከይኣኽሎ፤ ምስቶም ኣብ ግዳም ተሰዲዶም ዝርከቡ ደቁ፣ ብሰላም ከይነብር በቶም  ንኤርትራዊ ዝተሰደለን ሃገራት ክስልዩ ዘዋፈሮም ናይ መርበቡ ኣቢሉ ናይ ዓመጽ ዓንኬላት ይዝርግሕ።

ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ኤርትራ ካብ ውልቀመላኺ ብዝተዋህባ መምርሒ መሰረት፡ ብህጹጽ ኣብ ጎደይቲ ኣብ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ ብጻምላኽ ናይ መብራህቲ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ናይ ዕለት 5.6.2009 ሕታም ኣፍሊጣ፡፡

ኤርትራ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ንዘለዎም ግብረሽበራውያን ብምሕጋዛ ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስደላ ከምእትኽእል ኣመሪካ ከምዘጠንቀቐት ቴሌግራፍ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

Puntlandኣመሪካ ኣንጻር’ቲ “ናይ ኤርትራ ናይ ውክልና ኢድ ኣለዎ” ኢሎም መራሕቲ ፑንትላንድ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ናይ ፑንትላንድ ኩነታት ስጉምቲ ክትወስድ ትሸባሸብ ከምዘላ ጂስካ ኣፍሪቃ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።