Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

PFDJእቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

kenyaኬንያ ‘ብጸጥታዊ ምኽንያት’ ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ከምዝሰጎገት ዳይሊ ኔሽን ዝተባህለ ጋዜጣ ናይታ ሃገር ሓቢሩ።እቲ ናይ ምስጕጕ ስጉምቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ሃገር ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኪባኪ ህጹጽ ርክብ ንምክያድ ናብ ናይሮቢ ቀቀድሚ ምኻዱ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ከምዝተፈጸመ ‘ውን እቲ ጋዜጣ ኣብሪሁ።

Carson

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተመዘ ጆኒ ካርሰን ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ዝምድና ከተማሓይሽ ትደሊ እንተደኣ ኮይና ነቲ ኣብ ሶማልያ ትገብሮ ዘላ ኣሉታዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣተሓሳሲቡ።