Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

PFDJእቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Mesfnመንቀሊ ጽሑፈይ ብዕለት 31 መጋቢት 2010 ተዳልያ ኣብ ናይ ኤትራውያን መርበብ ሓበሬታታት ዝተዘርገሐት ብ ”The lion of Afabet” ብዝብል ኣርእስቲ ብብርሃን ሓጎስ ዝተባህለ ጸሓፋይ ንኣቶ መስፍን ሓጎስ ዘመላኽዕን ብምሕራር ኣፍዓበት ፡ ወላዃ ሓጺር ይኹን ዝትሓፍሰ ዓወታትን ውጺኢቱን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣንቢባ። ዝገርም’ዩ! ለካ ዕድመ እንተሂቡካ ብዙሕ ኢኻ ትርእን ትሰምዕን ዝተባህለስ ሓቂ’ዩ።