Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

PFDJእቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Bread lineስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሰብ ዘለዎን ዘይብሉን እናበለ ህዝቢ ብምፍልላይ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሰብ ኣለዎም ዝበሎም ብኩቦን ሃለኽቲ ናይ ምግዛእ መሰሎም መንዚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ህዝብን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦምን ተወሳኺ ጸቕጢ ብምፍጣር ገንዘብ ንምኽዕባት፡ ተንኮላዊ ውጥን ኣዋዲዱከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Radio Erinaብዕለት 18/03/2010 ኣብ ባጽዕ ንሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜናን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣መራሒ ስርዓት ህግደፍ፣ ነታ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ብሳተላይት ትፍኖ ሬድዮ ኤረና፣ “ዝተኸፍለ ይከፈል ደው ክትብል ኣለዋ” ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘይትስማዕ ንምግባር ኣድላዪ መደባት ክሕንጸጽን ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ዝርርብ ክካየድ ከምዝኣዘዘ፡ ራድዮ ኤሪና ሓቢራ።

bond“ቦንድ“ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማይሑጻን ዓዲኣቤቶን ሰንበልን ሓዝሓዝን ማይተመናይን ዝርከብ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን መንበሪ ኣባይቲ ንከሰርሑ ዝተዋህበ መሬት፣ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዛዘመን፣ ሓዲግ መዲግ ስለዝተረፈን፡ ብመንግስቲ ክጻፈፍ ተባሂሉ ንዝወጸ መምርሒ ድማ ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦን፡ እቲ ኣባይቲ ኣብዚ ጊዜዚ በጺሕዎ ዝርከብ ደረጃ-ፍጻሜ ብዘየገድስ ፣ ካብ ውልቀወነንቲ ተወሲዱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ንክኣቱ፣ እቲ ክሳብ ሎሚ ወነንቲ-ኣባይቲ ዘውጽእዎ ናይ ህንጻ ወጻኢታት ድማ ብሚኒስትሪ ህንጻ ተተሚኑን ተገምጊሙን ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ፡  ካብ ኣስመራ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡