Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

HRCስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ  ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።

ፊልፍልሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ

ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

እዚ ንኣትዎ ዘለና ዓመተ 2008 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከም ነበልባል እናተወልዓ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ብዝያዳ ዝሕይለሉ ዓመት ንክኽውን ኩላትና ክንሰርሓሉ ዘለና ዓመት እዩ።