Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hanti Alem on Assennaብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።

Amanuel Sahleሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።

Amanuel ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።

Hanti Alemእንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?

Amanuel ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።

Amanuel Sahleንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡

Hanti alemፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።

Amanuel እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።

Amanuel Sahleሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።

Amanuel Sahleመንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።

ኣማኑኤል እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

Amanuelመንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።

Hanti aelemሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ጸገም ኮይኑና ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ከተለሊ ዘይምኽኣል ኢዩ። ሃገር ከም መሬት መጠን፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ ዝፈጠሮ ቦታ ኢዩ።

ኣብ ቀርዳማይ ክፋል ጽሑፈይ: ንወዲ ትኹል ኣልዒለ ብዛዕባ ህላዌኡ: መርገጺኡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘሎዎ ቀይሩ ንህዝቡ ክኽሕስ:ንዝሕረረ ልቢ ህዝቡ ክድብስን ንሰማእታትና ድማ ሞስኦም ክመልስ ዝብል ጽሒፈ ኔረ፣ሕጂ ድማ ካልኣይ ክፋል ናይ ተስፋይ መሓሪ(ፍሒራ) የቅርበልኩም

hanti alemሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣

እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ ረሓቑ፡ ከመይሲ ብእምኒ ገይሮም ምስ ቀተሉኹም፡ መጻወቲ ድማ ከይገብሩኹም።

Hanti aleኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ።

ሓንቲ ዓለም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ብሄረ ትግርኛ፡ ከምኡ’ውን ትግራዎት፡ ጓይላ ኣዚና ኢና እንፈቱ። ካብዚ እተላዕለ ኢዩ መስለኒ ኣምሓሩ፡ ኣባጅጎ ጓይላ ዊን ምስ ዚብሎ ንትግራዎት ወይ ንትግርኛ ተዛረብቲ ኢዩ መጀመርታ ዘጽግብ ዚብሉና።

amanuel sahleሓንቲ ካብ’ተን ደስ ዝብላኒ መደባትኩም፡ ብመምህር ኣማኑኤል ሳህለ እትቕረበልና ዘላ መደብ ‘ሓንቲ ዓለም’ እያ። ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣማኑኤል ሳህለ ናብ መኣዲ-ኣሰና፡ ነቲ ጥዑም ቅጫኹም ዘጽግብ ጎጎ’ዩ ተደሪብዎ።

wedi tikulወዲ ትኹል ብሓቂ ኣብ ልዕሊ መሬት ትነብር ኣለኻ? ኣብ ልዕሊ መሬት ትነብር እንተሊኻ ኣበል ደኣ ‘ሎ እቲ ኩሉ ክእለትካ? ኣበይ ኣሎ እቲ ጥዑም ጎሮሮኻ? ድምጽኻ ኣብ ክንዲ ንደገ ተውጽኦ ከም ዝተደጎለ ሓዊ ንውሽጢ መሊስካዮ፡ ከም ነብሰ ጾር ኣብ ከብድኻ ሒዝካዮ ትጓዓዝ ኣለኻ።

Amanuel Sahle መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ወትሃደራት ጣልያን ኢዮም ተሪፎም ነይሮም ይብሃል። ኣትዩ ከሳጉጎም ይኽእል ነይሩ። ግን ንኤርትራ ገጹ ኪቕጽል ኣይደልየን። ዓሻኽሩ ኣኻኺቡ ንሽዋኡ ደኣ ተመልሰ።

hanti alem ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላ በጺሐ ምስ ተመለስኩ፡ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ክትብል ሓቲታትኒ፣

”እሞ ኸመይ ረኺብካያ ኢትዮጵያ? ምስ ለመንታን ምስ ርስሓታን ክኢልካያዶ? ስርቂኸ ገዲፎምዎ ዶ? ጥምየትከ ከመይ ነይሩ?” ዘይሓሰብኩዎ ሕቶ ኢዩ ነይሩ።

Amanuel Sahleብዛዕባ ብፓይሎታታን ብሆስተሳታን እተጨውየት ነፋሪት ዚሕብር ዜና ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ? ኣይመስለንን። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለምና ልሙድ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ከምዚ ዚገብሩ ፓይሎታት ሕሙማት ጥራይ ኢዮም ኪኾኑ ዘለዎም።

ኣማኑኤል ሳህለሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።

Amanuel Sahle ውሩይ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊ፡ መምህርን ናይ ቋንቋ ተመራማርን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ነታ ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ሰፊሕ ህቡብነት ዝነበራ ‘ሓንቲ ዓለም’ እትብል ተነባቢትን ማራኺትን ናይ ትግርኛ ዓምዱ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ክቕጽላ ብምውሳኑ፡ demo.archive.assenna.com ብስማን ብስም ተኸታተልታን ‘ኣሰየ ኣሰና!’ ትብሎ። ምስኣ ሓቢርኩም፡ ንኣማኑኤል ሳህለ ‘መርሓባ !’ ከተባህሉዋ ኸኣ ብሓጎስ ትዕድመኩም።

ዘተ ብዛዕባ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ  

READ MORE


ስርዓት ህግደፍ ኣማኑኤል መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ንዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብፊዝክስ ዝተመረቐ መንእሰይ ኣብ ዶብ ሱዳን ብተመልከትለይ ተኵሶም ከምዝቐተሉዎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኣማኑኤል መሓሪ፡  ብ2001 ዓመተ ምህረት ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ Eritel ዝተባህለ ትካል ከም ናይ ኢንተርነት ቴክኖሎጂ ክኢላ ንሸውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ።

መራሕቲ ህግደፍ መማህራን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ፍጹም ኣይክእሉን እዮም። ህዝቢ ኤርትራ 10 ሳዕ መኪቱ እዩ፡ ንሳቶም ግን ኣብ ፈለማ እግሪ ስልጣኖም መብጽዓ ሰማእታት ኤርትራ ጠሊሞም ኣብ ስስዐ ስልጣን ክጨማለቑ ስለዝመረጹ ሃገር ሕምስምስ ኣቢሎማ።