Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

swissሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ።  ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

waelaሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።

ትማሊ ቀዳም ታሕሳስ 18/2010 ካብ ሰዓት 2፡00 –  ክሳብ  6፡30 ድ፡ቀ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኮሎምቦስን ሲንሲናትን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ኦሃዮን ዝነብር ነቲ ሓያል ቁርን በረድን ተጻዊሩ ብጉዳይ ሃገሩ ክዝቲ ምዕባለ ኮሚሽን ክከታተልን ንመጻኢ ጉዕዞኡ ሓሳቡ ከፍስስን  ብኣዝዩ ዘሐብን ቁጽሪ ንርባዕተ ሰዓት ዝኣክል ክዝቲ  ዉዒሉ ።

Bostonዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

Canada congከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽግበር ክጽውዑን ክጠልቡን ጸኒሖም እዮም።

Conferenceኣብ ቀንዲ ስነ-ጽሑፈይ ቕድሚ ምእታወይ፣ እዚ ጽሑፋዊ ተበግሶይ፣ ንውድባት፣ ንውልቀሰባት ንኪዳን ንምቁንጻብን ንምውንጃልን ዝዓለመ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡ ብቡቁዓትን ውፉያትን ውልቀሰባት፣ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ከምኡውን ብብቁዕ ኪዳን ዝቆመ ደምበ ተቃውሞ ንኽህልወና ካብ ምህንጣይ ዝነቀለ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ:: ተስፋ ድማ እገብር ብቕኑዕ መንፈስ ንኽትንበብ::