ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 23 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ነቶም ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐሱ ፡ ብሃገራት ምዕራብ “ጥሩፍ እስላማዊ ስነሓሳብ ኣለዎ” ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣሸባብ ዝርከቦም ዕጡቓት ሶማላውያን ተቓውምቲ ጉጅለታት ‘ተዕጥቕን ትድግፍን ኣላ’ ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ናይ ኣጽዋር መሸጣ፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ወሲኑ።
















ካብቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምጽዋዕ ንስርዓት ህግደፍ ንዝተቓወሙ ኣባላት ጉጅለ 15 ኣብ ብሕታዊ ጋዜጣታት ብምእንጋዶም ብ23 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ምስጣራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኣርባዕተ ከምዝተሰውኡ ካብ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሰነድ ተረጋጊጹ። (ሰነዳት ቀሪቡ ‘ሎ)


