Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hopitalsዓብላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ዕማም ምዕጻው ብሕታዊ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝፈጸሞ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩለን እተን ብገንዘብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ጥዕና ደው ኢለን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ከምዝተረፈት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ( demo.archive.assenna.com ) ትማሊ 13 ታሕሳስ  ዘቃላሓቶ ዜና: ብቢቢሲ ን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሎሚ 14 ታሕሳስ ተረጋጊጹ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ-ሰለስተ መዓልታት ብወገን ራስ-ዱሜራ ዶብ ጥሒሶም ናብ ጅቡቲ ብምእታው
መከላኸሊ ዕርዲ የዳልዉ ከምዘለዉ ንሓደ “ስሙ ክንገረሉ ዘይደለየ” በዓል ስልጣን ጅቡቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና
ፈረንሳ ሓቢሩ።