Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ታሪኽ ዕጥቃዊ ተጋድሎና, ዘይተነግሩ ‘ምበር ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ብዙሓት’ዩም። እቶም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ስሪሒታት ካብ ሂወት ወድ ሰብ ምኽፋል ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ዮም ተፈጺሞም። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን እንተኾነ, ሰብኣዩ ሰበይቱ ዓቢኡ ንእሽቱኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ ሓድነትን ሃገራዊ ኒሕን፡ ሃገራዊ ናጽነት ሽቱኡ ንኽወቅዕ፡ ንሰውራ ኤርትራ ኩሉ ይጠቅም ዝባህል ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን።

abunእዞም ሎሚ ኣብ ማሕዩር ዝረከቡ፡ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዝፈልጦም፡ ወግዓዊ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ድሕሪ ኣብ ማሕዩር ምእሳሮም፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከባ ቤተክርስትያናት እርቶዶክስ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ይርከባ።