Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ ኣድማ ከይጅመር ኣብ ሻቕሎት ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ ንጉሆ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገነይቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጎነ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ምምሕዳር ከተማ ሰገንይቲ ንቐንዲ ቀሺ ናይቲ ዓዲ ንሳዋ ኪኸይድ ናይ ሓንቲ መዓልቲ መጠንቐቕታ ድሕሪ ምሃቦም፡

capsizedካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም።

እወ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ብዙሕ  መሪር ተጋድሎን መስዋእትን፡ ነቶም በብታራ ንዝጎበጥዎ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ስዒሩ ብ 24 ግንቦት 1991  ጠቕላላ መሬት ኤርትራ ነጻ ሃገር ኣብ ዘረጋገጸሉ ሰዓት, ሓዲሽ ንፋስ ነጻነት እናስተማቐረ ብዕልልታ ፡ ጥሉልን ቀጠልያን ቆጽሊ ስየ፡ ኣውሊዕን ክሊዓውን ፡  እናንበልበለን እናነስነሰን ሆ እናበለ ተቐቢልዋ።

 

Conferenceሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ኣብ ፍትሓውን ርትዓውን፡ እዋናዊ ፖለቲካዊ ንጥፍታት፡ ብሕጊ ክምእዘዝ ዝጠልብ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንዝፍጸሙ ጌጋታት ከኣ ብሕጊ መሰረት ይእረሙን መንገዶም ከም ዝሕዙ ይገብር። ሕጋዊ መስርሕ ህዝባዊ መኽሰብ ኣለዎ። ናይ ዘተ መኣዲ ዝኸፍት’ዩ። ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ዝርከቦ’ዩ።

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።