Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Friends of Asena Norwayኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132  ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።

ኞ ቶ ዲችታቶርደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም።

ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ዝገብርዎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ምሕጋዝ ጥሩፋት እስላማዊ ግብረ-ሽበራን፡ ምጥሓስ መምርሕን ሕግን ባይቶ ጸጥታን፡ ካልእን ብዝብል እገዳ ከምዝተገበረሎም ዝዝከር’ዩ።ስርዓት ህግደፍ ግን ዓለም ኣብ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ተመርኲሳ ፍትሓዊ  ዘይኮነ እገዳ በይናትላ ክብል ንህዝቢ ናይ ምትላል ዘመተ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ጀሚሩ’ሎ።

ናብ ሰሜን ኣመሪካ ንምእታው ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ኣብ ፓናማ ሲቲ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 25 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ምዃኖም ስለዝተነግሮም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።