Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ።

እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ በድራጋ እናተኮሱሎም፡ ናብ ኩሉ መኣዝናት፡ ንኢትዮጵያ፡ ንሱዳን፡ ንየመን ይጸሩ ኣለዉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ በዚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” እያ ትብል ዘላ።

ኣፈኛ ናይቲ ጠንቂ ዕንወት ጸጋን ሰብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ፡ነታ ደሓን ኩን ዝበለቶ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ  እንኳዕ ደሓን ተመለስኪክንብላ ኢና፡ ክብል ኣላጊጹ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ከምዝተረፈት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ( demo.archive.assenna.com ) ትማሊ 13 ታሕሳስ  ዘቃላሓቶ ዜና: ብቢቢሲ ን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሎሚ 14 ታሕሳስ ተረጋጊጹ።

ኣብ ዞባዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ  Cecafa ክትጋጠም ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምሉኣ፡ እንተላይ ቅያር ተጻወቲ (ሪዘርቫ)  ኣብ ኬንያ ተበታቲና ከምዝተሸርበት፡ ምንጭታት ካብ  ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ሓቢሮም።