Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isayas Beshir

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ንዘለዎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰላምን-ምርግጋእን ፖሊሲ ንምውህሃድ ዝዓለመ ዋዕላ፡ ን9ን 10ን ሕዳር(2009)  ኣብ ብራስለስ (በልጅም) ከካይዱ ምዃኖም ብኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።

13 ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ዘለዎም እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ትራክ ቢ (Track B  ) ኣምሊጦም ዛጊት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝኣተዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ኣፍሊጣ።