Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Ghirmayስርዓት ህግደፍ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 .. ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ንዝቅመጡ ኤርትራዊያን ፍሹል ኣኼባ ኣካይዱ።

ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጸናበሪ ጕባኤ ንምቕራብ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ተሓቢኡሉ ዘሎ መጋረጃ ማለት ጸጋማዊ ስነሓሳብ፡ ኣውራጃነት፡ ናይ ከበባ መንፈስን ሓሶትን ጃህራን ትምክሕትን ምካኑ ብምስትብሃል፤ ከም’ቲ ጲላጦስ ኢዱ ሓጺቡ ካብ’ዚ ደም’ዚ ሰብኣይ’ዚ ነጻ እየ ዝበለ ካብ’ዚ ብጃንዳ ህግደፍ ዝፈስስ ዘሎ ደም’ዚ ህዝብ’ዚ ነጻ እየ ንምባል ክብቃዕን፡..ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ሳቦያ ኢልኩም ነዚ መጻዪን ሽበራው’ን ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪክ ጎሓፍ ንምድርባይ ስጉምቲ ሕጂ ውሰዱ እንዳበልና ንጽውዕ።. 

መሪሕነት ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብዕለት 2 ወርሒ መስከረም 2007 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ሃገርናን ንምዝታይ ተጋቢኡ ውዒሉ።