Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዕለት 21.11.2009 ኣብ ከተማ ማንሃይም ንዝኽሪ 30 ዓመት ብሃማደኤ ዝፍለጥ ማሕበር ተዳልዩ ዘሎ በዓል፤ ንጥቅሚ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዘይምቅላሱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ውጽኢቱ ንመጨፍለቅን መቅዘፍን ዝዓበየን ዝነኣሰን ህዝቢ ኤርትራ ዝውዕል፡ ብስም ኤርትራውያን ንረብሓ ምልኪ ዘውደክድኽን ዝዕልልን ዘሎ ማሕበር  እዩ።

ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጀጋኑና ሓቢርና ንክንዝክርን መዓልቶም ንኸነኽብርን፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጢ እዚ ከባቢ ብኣኽብሮት ይዕድም።

ንድርብ ባዓል ኣህጉራዊ ማዓልቲ ሰቂ ኣንስትዮን፤ ባዓል ቶጎሩባን ኣብ Oakland California ንቀዳም March 21 2009 ሰፊሕ ብዓል ብድምቀት ንኽውዕል ዓቢ ምድላውን ምሽብሻብን ይግበር ስለ ዘሎ፤ ኣብዚ ታሪኻዊ ድርብ ብዓል እዚ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ድሙቅ ጸወታ ክህልወና ስለ ዝኾነ፤ ንኹሉ ኤርትራዊ/ዊት ብሓበራ ብዘይ ኣፋላላይ ሽማግለ ኣዳለውቲ ብዓል ብ ኣብሮት ትዕድም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትርከቡ ኤርትራዊያን ዜጋታት፡ ህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ፡ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ
ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ከምዘሎ ብሩህ ኮይኑ፡  ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ብፍላይ፡ ብቃላት ክትገልጾ ዘይክኣል፡ ኣብ
ታሪኽ መዋእል ኤርትራ ተሰሚዑን ተጌሩን ዘይፈልጥ ወዲቑ ይርከብ ከምዘሎ፡ ንኩሉ ኩነታት  ኤርትራን ህዝባን
ዝከታተል ብሩህ ሓቂ ኢዩ