ስርዓት ህግደፍ ቤትጽሕፈት ሰራሕተኛታት ወኪል ባንክ ዓለም (World Bank) ኣብ ኤርትራ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት (02/2011) ስርሓቶም ኣጽፊፎም ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ቤትጽሕፈት ሰራሕተኛታት ወኪል ባንክ ዓለም (World Bank) ኣብ ኤርትራ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት (02/2011) ስርሓቶም ኣጽፊፎም ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ብህዝባዊ ናዕብታት ቱኒዝያስ ግብጽን ሰንቢዱን ኣእሙራኣዊ ዕረፍቲ ስኢኑን ብ 27 ጥሪ ናብ ቀጠር ብምኻድ ክሳብ 11 ለካቲት ኣብታ ሃገር ንኽለተ ሰሙን መመላእታ ዝቐነየ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ‘ፕርዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብቲ ብ12 ለካቲት ኣብ ባጽዕ ዝተኻየደ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ከምዝተሳተፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ብህዝባዊ ናዕብታት ቱኒዝያስ ግብጽን ሰንቢዱን ኣእሙራኣዊ ዕረፍቲ ስኢኑን ብ 27 ጥሪ ናብ ቀጠር ብምኻድ ክሳብ 11 ለካቲት ኣብታ ሃገር ንኽለተ ሰሙን መመላእታ ዝቐነየ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ‘ፕርዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብቲ ብ12 ለካቲት ኣብ ባጽዕ ዝተኻየደ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ከምዝተሳተፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኣብ ጉዕዞ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራዉያን ዓመተ 2010 ብዙሓት ወሰንቲ መቐይሮታትን ሓደሽቲ ክስተታት ብምንጽብራቕ ሓድሽ ምዕራፍ ኣመዝጊባ ዝተዛዘመት ታሪኻዊት ዓመት እያ ኔራ፡
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ቃልሲ ካብዝገበሮ ብዘይፍለ ፡ ሕጂውን ኣብ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ፡
ኣንጻር ውልቀምካዊ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ን18 መዓልታት ብጽንዓት ተቓውሞ ከካይድ ዝቐነየ ህዝቢ ግብጺ፡ ሎሚ 11 ለካቲት ተዓዊቱ፡
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ጥሪ ናብ ቐጠር ምስ ከደ ክሳብ ሎሚ 11 ለካቲት ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣሰና ‘ውን ነቲ ኩነታት ኣረጋጊጻቶ ኣላ።
ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ እምቢ ንምልኪ ዝብሉ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይዕንብቡ ኣለዉ ።
ክቡራት ተቐማጦ ስዊዘርላንድ፣
ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ከተማታት ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝጸንሐ ኣኼባታት፡ ንምጥርናፍ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣
ህዝባዊ ኣኼባ ንጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
እቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።
እቲ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ እንታይ ንግበር ወይ ነሰላስል ዝብል ኣርእስቲ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ዝነበረ ቅድሚ ምጅማሩ ሽማግለ ፖለቲካ ኣቶ ኣለም ዘቢብ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራን ህዝባን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ቀጺሉ ኣቶ ሰዓድ መ/ሙሳ ኣባል ሃገራዊ ኮሙሽን ብወገኑ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮሙሽን ኣልዒሉ ስራሓትን እንታይ ከምዝተሰላሰለን ኣብሪሁ።
ኣገዳሲ ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ።
ብቀዳም ዕለት 18.12.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዙሪክን ከባቢኣን መግለጺ ተዋሂቡ።
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
መጀመርያ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራን ንኣብ ደገ ኮይኖም ግዘይኦምን፤ ገንዘቦምን፤ ሓንገሎም ዘወፍዩ ዘለዉ ተባዓት ተቃለስቲ ኤርትራውያን ብስም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ሰላምታይ ከቅርበሎም ይደሊ።
እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡
ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር ኣብ ዝዘርግሖ ስለያዊ መርበብ ናይ ዝነጥፉ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ላስ ቬጋስ ዝርከቡ ሃሱሳት ኣስማት ተቓሊዑ።
ካብ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ጀሚሩ፣ ቁጽሮም ካብ 250 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ሕጻናት፣ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ኣብ ጸምጸም ምድረበዳ ሲናይ ብሸፋቱ ዓሌታት በድዊን(ዓሌት ራሻይዳ) ተጨውዮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ዓለም ብቐጻሊ ይዛረባሉ ኣሎዋ።
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ
ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።
ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።
ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ብኣጉኡ ኣይተኻየደን ምባል ነቶም ተባዓት ስለ ህዝቦም ጠጠዉ ዝበሉ ጀጋኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ መቑሕ ዘለዉ ገለዉን ዝተሰዉኡን ምዝንጋዕ ይመስል።
ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ብኣጉኡ ኣይተኻየደን ምባል ነቶም ተባዓት ስለ ህዝቦም ጠጠዉ ዝበሉ ጀጋኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ መቑሕ ዘለዉ ገለዉን ዝተሰዉኡን ምዝንጋዕ ይመስል።
መባእታ
ብመጀመርያ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና። ንሕዝብና፡ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ንዝጸምኦ ሰላምን ፍትሕን ዝህብ፡ ንሕማቑን ጠንቂ ሓዘኑን ዝቕንጥጥን በዓለ ልደት ይግበረሉ።
እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡
ትማሊ ቀዳም ታሕሳስ 18/2010 ካብ ሰዓት 2፡00 – ክሳብ 6፡30 ድ፡ቀ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኮሎምቦስን ሲንሲናትን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ኦሃዮን ዝነብር ነቲ ሓያል ቁርን በረድን ተጻዊሩ ብጉዳይ ሃገሩ ክዝቲ ምዕባለ ኮሚሽን ክከታተልን ንመጻኢ ጉዕዞኡ ሓሳቡ ከፍስስን ብኣዝዩ ዘሐብን ቁጽሪ ንርባዕተ ሰዓት ዝኣክል ክዝቲ ዉዒሉ ።
ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ትማሊ ቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ‘ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ካብ ዝተፋላለየ ከም ፍራንክፎርት፣ ስቱትጋርት፣ ካስል፣ ማንሃይም፣ ካርልስሩሀ፣ ከለን፣ ወዘተ…. ዝኣመሰላ ከተማታት ጀርመን ዝመጹ ኤርትራውያን ተኻፊሎም።
ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሓምለ 2010 ዋዕላ ፣ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብጉዳይ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ክዝቲ በብዓዱ ኣኼባታት የካይድ ኣሎ።
ንቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ብምኽንያት መበል 60 ዓመታት ኣዋጅ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ቆጺርና ኣሎና።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዝመርሖ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕለት 12/18/2010 ኣብ ከተማ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ክካየድ ስለዝኾነ
ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣
እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ ረሓቑ፡ ከመይሲ ብእምኒ ገይሮም ምስ ቀተሉኹም፡ መጻወቲ ድማ ከይገብሩኹም።
ከቦሮ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብሓዳስ ከቦሮ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተተኪኣ። ናብቲ ገፊሕ ዳስ ዘተን ምርድዳእን ዋዕላን፡ ገጻ እትመርሕ ከቦሮ መንእሰይ፡ “ንዑ ኩሉኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ በዚ’ዩ መንገዱ ሰዓቡኒ ተጸንበሩ ተዛተዩ!” ክትብል ኣምስያ።
ምእንቲ ብደም ሰማዕታትና ዝረወየት ሃገርናን ፣ ምእንቲ ብኹቱር ጭቆናን ጥልመትን ምልክን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብናን ፣ ምእንቲ ካብ ሃገሩ ክሃድም ኣብ ፈቐዶ ዶባትን ባሕርታትን ዕርድታትን ሞት ዝቐዝፎም ዘሎ መንእሰያትናን ፣
ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር፡ ስፊሕ ስለያዊ መርበብ ዘርጊሑ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።