Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን ቀዳም 5 ሰነ 2010 ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣጋቢኦም። ተሳተፍቲ ዋዕላ  ነቲ ብናይ ዋዕላ ሽማግለታት ዝተዋህበ መግለጺ  ብጽሞና  ተኸታቲሎም።

      ዲሲ…. ዝመጽእ ዘሎ (ሰነ-19- 22) ብዓይነቱ ፉሉይ ዝኾነ መኣዲ ዘተን ሰለማዊ ሰልፊን ከተእንግድ ኢያ፡፡ እዚ ብሕብረት ኤርትራዊያን ኣንጻር ምልኪ (EGS) ከምእውን እርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (EDA) ዝዳሎ ዘሎ ሲምፖዚዮም(symposium) ብዓይነቱ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነገራት ሓደ ጎኑ ንጎኒ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኤርትራዉያን ብሓደ ተኣኪቦም ጕዳይ ሃገሮም መጻኢ ዕድል ሕዝቦም ዝዝትዩሉን ዝካትዑሉን መድረኽ ዝሰርዔ ብሙኳኑ ኢዩ፡፡ እዚ ሲምፖዚዮም እዚ ዕውት ኮይኑ ክወጽእ ግና ነፍሲ ወከፍ ብሃገረይን ሕዝበይን ይግደስ ኢየ ዝብል ዜጋ ስምዕታ ዘይድልዮ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ይጠልብ፡፡

dcኣቦ ወንበር ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰን ፤ ኣባል  ወጻኢ ጉዳያት ብጻይ ኑር እድሪስን ንመሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን  ብምውካል ትማሊ 12 ጥቅምቲ ዋሺንግቶን ዲሲ ዉሃ ዝበለ ሰሚናር ኣካይዶም።።

US

እዚ ኣብ ቐጽሪ ጀፈርሶን መሞሪያል (Jefferson Memorial) ሕምብርቲ ዋና ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኮነት ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ነቶም ብዕለት 18 መስከረም 2001ን ቅድሚኡ’ን ጀሚሩ  ኣብ ሞቑሕ ብምስፋር ጃንዳ ስርዓት ህግደፍ ብኣሰቓቂ ኩነታት ዝቐተሎምን ዝቐትሎም ዘሎን ኩሎም ኤርትራዊን ንምዝካርን ዝዓለመ እዩ።