Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር፡ ስፊሕ ስለያዊ መርበብ ዘርጊሑ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

Rotterdamንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብሰንሰለታውያን ገዛእቲ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1991 ሓርነት ዘይኮነ ነጻነት ተጐናጺፉ። እቲ ቐደም፣ “ድሕሪ ሓርነት ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል’ዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ብመነባብሮ ክከላበት፣ ጽንጽያ ዓይኑ ዘንፍረሉ’ኳ ኣይክህሉን’ዩ፣” ይበሃል ከም ዘይነበረ ግን ገና ደም ስዉኣት ከይነቐጸ ሲቪላውያን ይኹኑ ተጋደልቲ ብማዕረ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ክኾኑ ርኢና። እቲ ዝገደደ ግን ሰኣን ቅኑዕ ኣመራርሓ ኣብ ዘየድሊ ኵናት ኣብ ርእሲ ምእታውና፣ ብዶብ ብምምስማስ ህዝቢ ነቕ መበሊ ስኢኑ ነዛ ኣፉ ሒዙ ከም ጊላ ኮይኑ ዝነብረላ ባይታ’ውን ስኢኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት፣ “ህዝቢ ኤርትራ ድኹም’ዩ! ንመሰሉ ዘይቃለስ ህዝቢ’ዩ! ወዘተ” እናበሉ ንህዝቢ ከከሻምሹ ይስምዑ’ዮም። ነዞም ሰባት’ዚኦም ዘቕርቦ ሕቶ፣ “ንስኻትኩምከ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም? ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ እንታይ ዝገበርኩሞ ጭቡጥ ነገር ኣሎ?