Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።

mubarekኣንጻር ውልቀምካዊ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ን18 መዓልታት ብጽንዓት ተቓውሞ ከካይድ ዝቐነየ ህዝቢ ግብጺ፡ ሎሚ 11 ለካቲት ተዓዊቱ፡

ካብ ሱዳን ናብ ሲናይ (ግብጺ) ብ 2500 ዶላር ተሰማሚዕም ዝተበገሱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ሲናይ 2800 ኣኽፊሎሞም። ሲናይ ምስ ኣተዉ ከም እንደገና ካብ ሲናይ ንወስደኩም ኣለና ኢሎም ጠዋውዮም ናብ ካልእ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፋፊሎም፡ ነቶም ሓደ ጉጅለ ንነፍሲ ወከፎም 7000 ዶላር ኣመሪካ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኸኣ 6000 ዶላር ኣመሪካ ኣምጽኡ እናበሉ ኣደዳ ሞትን ማህረምትን ገይሮሞም ኣለዉ።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።