Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

milanኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

Milanoካብ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ጀሚሩ፣ ቁጽሮም ካብ 250 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ሕጻናት፣ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ኣብ ጸምጸም ምድረበዳ ሲናይ ብሸፋቱ ዓሌታት በድዊን(ዓሌት ራሻይዳ) ተጨውዮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ዓለም ብቐጻሊ ይዛረባሉ ኣሎዋ።

Prespናይ ቀረባ ፈለጥቱ ገለ ካብ ኣባላት ማሕበረ ኮም ሚላኖ  ዓዲ ጥልያን ከምዝሕብርዎ፡ ሰለሙን ብህጹጽ ዝተጸውዓሉ ሓደ ካብ ዝዓበየ ምኽንያት፡ ናይ ዞባ-ሎምባርዲያ ሓላፊ ዝነበረ ኢጣልያዊ ዜጋ ጂያን ፒየር ፕሮስፐሪኒ፡ ኣብ ጥልያን ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ተግባር ምጥፍፋእ/ Corruption/ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ናይ ኤርትራ ጉዳያትን ካልእ ምኽንያትን ተኸሲሱ ምስተኣስረ፡ ጉዳይ ኤርትራ ሚስ ፕሮስፐሪኒ ዝነበረ ምትእስሳርን ዘይሕጋዊ ተግባራትን መታን ከይቓላዕ፡ ኩሉ ሚስጥራት መታን ክሽፈን፡ ሰለሙን ክንፈ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ብህጹጽ ተጸዊዑ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ስርሑ ብጉቡእ ከየረከበ ብተብተብ  ኣስመራ ከምዝኣተወ ገለ ኣባላት ማሕበረ-ኮም ሚላኖ ኣረጋጊጾምዎ ኣለዉ።