Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Spieእቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።

mezgebብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር ኣብ ዝዘርግሖ  ስለያዊ መርበብ ናይ ዝነጥፉ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ላስ ቬጋስ ዝርከቡ ሃሱሳት ኣስማት ተቓሊዑ።

Ertirea USክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

yemaneሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።

HagosKishaYemane

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

 

Puntlandኣመሪካ ኣንጻር’ቲ “ናይ ኤርትራ ናይ ውክልና ኢድ ኣለዎ” ኢሎም መራሕቲ ፑንትላንድ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ናይ ፑንትላንድ ኩነታት ስጉምቲ ክትወስድ ትሸባሸብ ከምዘላ ጂስካ ኣፍሪቃ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።