Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Mezgebስርዓት ህግደፍ ሓድሽ ውደባ ስለያ ወጻኢ ከካይድ ጀሚሩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሃሱሳት ወዲቡ ንኤርትራውያን ዝስልየሉ መርበባት፡ “ጸሊም ማሕደር ሃሱሳት ህግደፍ ይገንጸል” ብዝብል ዜናዊ መኸተ ኣሰናን ተሓባበርታን ክቃላዕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ስለያዊ መርበባቱ ዳግም ክውድብን ክጽግንን ከምዝጀመረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

Spieእቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።

መጀመርያ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራን ንኣብ ደገ ኮይኖም ግዘይኦምን፤  ገንዘቦምን፤  ሓንገሎም ዘወፍዩ ዘለዉ ተባዓት ተቃለስቲ ኤርትራውያን ብስም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ሰላምታይ ከቅርበሎም ይደሊ።

mezgebብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር ኣብ ዝዘርግሖ  ስለያዊ መርበብ ናይ ዝነጥፉ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ላስ ቬጋስ ዝርከቡ ሃሱሳት ኣስማት ተቓሊዑ።