Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

mikeሃገርና ኤርትራ ካብቲ ሕሱምን መሪርን ተኸታታሊ ኣድራዕ መግዛእቲ ባዕዲ ተገላጊላ ኣኸሊል ናጽነት ካብ ትጭብጥን ትዓትርን እነሆ ዝመጽእ 24 ግንቦት 2011 ድፍን 20 ዓመታት ትመልእ ኣላ፡፡

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ መስር ተረኺቡ ዘሎ ኣደናቂ ዓወት ህዝቢ ንኹሉ ጸሓፋይ ኮነ ተዛራቢ በየን ጀሚርካ በየን ትውድእ ኩፋት ማዕጾ ኮይኑ’ሎ፣ ብዙሓት ሰባትሲ ወረ ኣብ ተሌቪዝን እናዳተዛረቡ ብሓጎስ ንብዓት ሲዒርዎ’ዩ፣ ዓጀብ !

Gadafi and Isaiasህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።

Gadafi and Isaiasህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።

libiድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልስን ናጽነትን ርጉጽን ዘየወላውልን እዩ። ህዝብና ብቓልሲ ናጽነት ንምጭባጥ፡ ብናጽነት ከኣ ግዝኣተ ሕጊ ዝነገሳ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምህናጽ ንጹር ራእይ ነይሩዎ።

መኪና ህግሓኤ ሓደ መራሒን ብርክት ዝበሉን ተሓጋገዝትን ሒዛ ነስመራ ክትኣቱ ከላ ምስኪናይ ህዝብና፣ “ደጊም ሞት ከም ኣዳም፣ ሃገርና ሽሻይ ብሽሻይ ክትከውን’ያ! ደርጊ ካብ ጠፍአ ኩሉ ሓጥያትና ንግፍ ኢሉ ምስኡ ክበንነልና’ዩ! ኣምላኽ ነዛ መዓልቲዚኣ ከየርኣኻ እንቋዕ ኣይቀተልካና፣ ወዘተ” ዘይበለ ኣይኮነን፣ እዚ ትምኒት’ዚ ከም ጨው ሓቒቑ ክተርፍ ግን ግዜ ኣይወሰደን።

ወዲ ጕላይ ከም ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ንኣስታት ሰለሰተ ዓመታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝፈጸሞ ናይ ጕቦን ምጥፍፋእን ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ። ኣብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምስ ቀረበ ድማ በቲ ዝፈጸሞ ናይ ጕቦን ምጥፍፋእን  ገበን ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰርን 1.2 ሚልዮንን ክኸፍልን ወይ ድማ ገንዘብ ክኸፍል እንተዘይክኢሉ ብኣጠቓላሊ ሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ተበዪኑሉ።  ወዲ ጕላይ መን’ዩ? እንታይ ገበንከ ፈጺሙ ኣበይ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኹ ንመልከት።