Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓላሊፉ።

Eritbውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

Healthብስርዓት ህግደፍ ወለንታዊ ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ተኣዚዞም ዘለዉ፡ ኣባላት ‘ሓካይም ንሰላም’ Physicians For Peace ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲ (George Washington University) ተላኢኾም ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ ኣባላት ቤትምህርቲ ድሕረ ምረቓ (Post Graduate School for Paediatrics and Surgery) ‘ውን ከምዘለዉዎም ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ካብ ስርሖም ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ከምዘሎን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።  እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽውዖም ብ20 ለካቲት ኢሳይያስ ናይ መዛዘሚ ኣኼባ ዘካየደሎም ኣምባሳደራት፡ ኣብቲ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

እዚ ክፍለ ሰራዊት 21 ከምኡ ‘ውን ክፍለ ሰራዊት 39፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ በተን ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ምክትታል ዶባት ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ብብረት ንኽሃርመኦ ንዝተዋህበን ትእዛዝ ብምንጻግ፡ “ዝዓጠቕናዮ ኣጽዋር ኣንጻር ጸላኢና ‘ምበር ምስ  ኣሕዋትናን ብጾትናን ኣይንታኾሰሉን ኢና” ብምባል ከም ዝተቛወሞኦ ምንጭታት ካብቲ ዞባ ሓቢሮም።