Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

monkeyሰበ-ስልጣን መንግስቲ ነርወይ ናይቲ ንኤርትራ ናብ ገፋሕ ቤትማእሰርቲ ዝቐየረን ኣብ ዓለም ካብቶም ዝኸፍኡ ብምግሃስ ሰብኣዉን ደሞክራሲያዉን መሰላት ዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ ደጋፊ ዝኾነ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ YPFDJ ኣብ ነርወይ ብምድንጋርን ምትላልን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወሰዶ 400,000 ነርወይ ክሮነር ንምምላሱን ብሕጊ ዝሕተትሉ መንገድን ኣብ ምስልሳል ይነጥፉ ከምዘሎዉ ኣፍሊጦም፡፡

Ypfdjኣብ ሃገረ ኖርወይ ኣብ ቀረባ ማዓልታት ዓመታዊ ጉባኤ ብምግባር መሳርሒ ዉልቀመላኺ ኢሰይያስ ዝኾነ ኣኼባ   መንእሰያት ህግደፍ ዝተወደበ ንመንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያንን ትካላት ነርወይ ብምድንጋርን ምትላልን ዝተረኽበ ገንዘብ ምዃኑ ኣገልግሎት ቴሊቪዥን ነርወይ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣቃሊዑ ኣሎ፡፡

yemaneandypfdjኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን  ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ጽባሕ 19 ሚያዝያ ካብ 2፡00-5፡00 ኣብ ስታቫንገር ተኣኪብና ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲ ምዝካር ብዓቢኡ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና  ክንዝቲ ስለዝኾና፡ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ንዕድም።

oaslo demoካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

Yakobያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ  ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

Yakobያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ  ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

Friends of Asena Norwayኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132  ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

ypfdjክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ሓንቲ ኣብ ኦስሎ እትነብር ኣባል ናይቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ሃሱስ ዘዋፍሮ ብ YPFDJ ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ኤርትራዊት ዝሰደደትልና መልኽቲ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብና፡ ብምኽንያት ሕጸረት ሰዓት-ፈነወ ጽማቝ መልእኽቱ ጥራይ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶኡን እቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከምዘለዎን ከኣ ነቕርበልኩም።