እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።
እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።
ብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር።
ክቡር ኣቦና ኣባ ሃይለማርያም ገብረሕይወት ሓላፊ ደብረመድሃኒት ኪዳነ ምህረት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ለንደን ብሕማም ምኽንያት ብሰሉስ 25 ግንቦት ካብዛ ዓለም ብሰላም ዓሪፎም።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን ኮይኑ ሃገራዊ ነጻነቱ ዘረጋገጸሉ መበል 19 ዓመት ክዝክር ከሎ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ መደምደምታ ምርካቡ ብሓጐስ ምብዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ፡
ክቡራን ዜጋታት ኤርትራ፤በዚ አርእስቲ’ዚ ክንጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነ፤ነቲ ካብ 1974 አትሒዙ ሕዝብና ዝጠለቦ ሓድነት ሕዝብን ገድሉን በተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ንሓንቲ ሀገር ተፋላሊካ ሕድሕድ እናተጓነጽካ፤ ፍትሓዊ ነጻነት ከተዕቁብ ስለ ዘይክአል፤
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስል ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ሳልሕ ኢማን ማሕሙድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ እሙናት ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነቲ ኣካታዒ ኰይኑ ዝቐነየን ዘሎን ምስንዳኣት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ኣጀንዳ ብምውሳድ፡ ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣጽኒዑ ኣድላይ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።
ሎምዘመን እውን ከም ዓሚ ሕብረት ኤርትራውያን/ ስዊደናውያን ብርገሳውን ፖሊቲካውን ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ፣
ኣብ ጀርመን ከተማ ከለን ከባቢኣን ዝርከቡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን፡ ንታሪኻዊት ዕለት ናጽነት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ንምብዓል ምሽብሻብ ንገብር ኣለና።
እቲ ብጀካ ስልጣኑ ካልእ ዘየገድሶ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ዝዓበየ ጸጋ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ብኩሉ ሸነኹ ንምዕናው ከም መደብ ካብ ዝሰርሓሉ ግዜ ወሲዱ ኢዩ።
እቲ ብጀካ ስልጣኑ ካልእ ዘየገድሶ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ዝዓበየ ጸጋ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ብኩሉ ሸነኹ ንምዕናው ከም መደብ ካብ ዝሰርሓሉ ግዜ ወሲዱ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ናይ መጥባሕቲ ኣግልትሎት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ (ቨርጂንያ) ዝመደበሩ Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም: ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም ።
ክፍሊ ኢምግረሽን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክቕየር መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና
ዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።
ዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።
ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብሪሂወት፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዛግር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መደረ እናህበ ከሎ ክወድቕ፡ ኣብ ቴለቪዝን ኤርትራ ላይቭ ተራእዩ።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
ሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።
15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ፡ ምእንቲ ድሕነቶም ንግዚኡ ክንጠቕሳ ኣብ ዘይደለና ሃገር ኣትዮም፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስርዓቱ ንዝምልመሉን ዝንቀሳቀሱን ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ጎልጅ ዝመደበሮም ልዕሊ ትሽዓተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘየምጽኡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ዘካየደሎም ወግዓዊ ኣኼባ ከምዝገለጸ ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነበር ህዝብን ካልእ ንጥፈታትን ዝኣከቦ ገንዘብ ብእሙናት ተሓባበርቱ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ከምዘእተወ ምንጭታት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሮም።
ቀንዲ ክጽሕፈሉ ዘንቀለኒ ጉዳይ ነዚ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ክካየድ፡ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝባሃለሉ ዘሎ ጎዳይ ኣንጻር ባይቶ ጸጥታ ዝቀንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ገለ መነቃቕሒ ወስ ከብል ስለዝደለኹ እዩ።
ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.02.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣባላት ማሕበር „መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ EYC“፡ ካብ San Jose, CL (USA)፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ „ሌላ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ዘብቃዓሉ እዋን ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።
ኣቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣምባሳዶር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ/ወዲ ባሻይ/ ኣምባሳዶር ኣብ እስራአል። ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳዶር ኣብ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ጽቡቕኩም ሕማቕኩም ታሪኽኩም ክንገልጽ ሰዓቱ ስለዝኣኸለ ኣይትቀየሙና።
‘ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽ’ዩ’ ተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ተላቢዑ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረኦ ምልልስ ተኣሚኑ።
ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ “ጥርኑፍ መንእሰይ ተስፋ ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ
ዓርቢ 15 ጥሪ 2010: ካብ ሰዓት 7 ድ. ቀ ክሳብ 8 ድ.ቀ ዶኩሜንታሪ ፊልም ብዛዕባ ናብራ መንእሰያት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት
ቀዳም 16: ካብ 2 ድ.ቀ ክሳብ 6 ድ.ቀ ህዝባዊ ሰሚናር
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ አብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸነ ማዕቀብ ኢዩ ዝርከብ። ቅድሚ ናጽነት ከም ሃብታማት ዝቑጸሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽም ድኽነት ከምኡ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ድኽነት ዝነበረ ናብ ፍጹም በተኽ ክምዝተቐየር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ አብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ውድቀት ደረጃ በጺሕና አለና።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 23 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ነቶም ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐሱ ፡ ብሃገራት ምዕራብ “ጥሩፍ እስላማዊ ስነሓሳብ ኣለዎ” ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣሸባብ ዝርከቦም ዕጡቓት ሶማላውያን ተቓውምቲ ጉጅለታት ‘ተዕጥቕን ትድግፍን ኣላ’ ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ናይ ኣጽዋር መሸጣ፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ወሲኑ።
ኣፈኛ ናይቲ ጠንቂ ዕንወት ጸጋን ሰብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ፡ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ፡ “ነታ ደሓን ኩን” ዝበለቶ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ “እንኳዕ ደሓን ተመለስኪ” ክንብላ ኢና፡ ክብል ኣላጊጹ።
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ከምዝተረፈት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ( demo.archive.assenna.com ) ትማሊ 13 ታሕሳስ ዘቃላሓቶ ዜና: ብቢቢሲ ን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሎሚ 14 ታሕሳስ ተረጋጊጹ።
ኣብ ዞባዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ Cecafa ክትጋጠም ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምሉኣ፡ እንተላይ ቅያር ተጻወቲ (ሪዘርቫ) ኣብ ኬንያ ተበታቲና ከምዝተሸርበት፡ ምንጭታት ካብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ሓቢሮም።
በቲ ነዚ ሓድነት ክንብል ዘጥፋእናዮ ናይ ግዜ ናይ ንያት ናይ ንዋት ከምኡውን ናይ ስነኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘስዓቦ ናይ ሞራል ሓፍ ፎዞቕ ተዳሂልናን ሰንቢድናን ድሕሪ ሕጂ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓድነት ፕሮጀክት ኣይንኣቱን ኢና ካብ ዝብል ዝንባሌታት ምድሓን።
መደበር ቴለቭዥን ኣጀዚራ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕቡእ-ቪድዮ ካሜራ ዝተቐረጸ ‘መንግስቲ ዘእንግዶ ራዕድን ፍርሕን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ምስክርነት ኣብ መደባታ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ብራዕዲ ተዋሂጡ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወረድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣቃሊዓ።