Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Elephantsልኡኻት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ሩባ ሃይኮታ፡ 16 ሓራምዝ ብጥይት ቀቲሎም፡ ነቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ዝተኸልከለ ልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝርከቦ ክቡር ስኒ ሓርማዝ (ኣይቮሪ) ምሕዮም ከምዝወሰዱዎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ተላቢዑ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረኦ ምልልስ ተኣሚኑ።

‘ድምጺ ወጋሕታ’ “ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ምንጭታት ..ወዱ ንሚኒስተር መዓድን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ ኣብ ኣስመራ እንዳ ኮርያ ኣብ ዝርከብ ቤትምህርቱ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብኻራ ተቀቒዑ ንሞት ተቓሊዑ ‘ሎ” ክትብል ዘመሓላለፈቶ ሓበሬታ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

stካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልስና ኣትሒዙ ጋዜጠኛ ዝነበረ፡ ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ዝሳቐ ዘሎ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ “ጋዜጠኛ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ – 2007 ” ተባሂሉ ብሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ተረቝሑ።