Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

bay areaኹቡራት ኣንበብቲ ኣርእስቲ ናይዛ ስነ-ጽሑፍ ከም እተንብብዎ፡ ነዚ አብ’ዚ እንነብረሉ ከባቢ በይ ኤርያ (Bay Area) ብፍላይ ከአ ሳን-ሆዘ (San Jose) ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ንጥፈታት ሓበሬታ ንመሃብ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። እንተ ኾነ ግን እሞ ኣብ ሳን-ሆዘ እትፈጸመ ፍጻመ ነዓና ዘገድሰና አይኮነን ብምባል ሸለል ኢልኩም ጎሲኹሞ ከይትሓልፉ ሓደራ ንብለኩም፡ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዘይ ምግናን ሎሚ ኣብ ኩለን እተን ኤርትራዊ ዝቕመጠለን ከተማታት ኤውሮጳ ኮነ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ኩውንነት ስለ ዝኾነ ኢዩ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ተላቢዑ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረኦ ምልልስ ተኣሚኑ።

ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ “ ዶባት ኤርትራን እትዮጵያን ንምሕንጻጽ ኣብ ባይታ ግብራዊ ንጥፈታት ተጀሚሩ ‘ሎ፡ ምእንቲ ‘ዚ  ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶባት ስሒባ፡ ሰራዊት ኤርትራ ‘ውን ናብ ባረንቱ ተሳሒቡ ‘ሎ ፡ ካርታ ዝስእላ ነፈርቲ ኣብ ዶባት ይዝንብያ  ኣለዋ፡ ጸረነፈርቲ ከይትኩሰለን ‘ውን ንሓይልታት ምክልኻል መምርሒ ተዋሂቡ፡ ደጊም ሲ ዶባት ክሕንጸጽ ‘ዩ” እናተባህለ ኣብ ኣስመራ ታሕቲ ታሕቲ ተላቢዑ ዘሎ ወረ፡ ስርዓት ህግደፍ ምእንቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ክሉ ከም ዝፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን ዝጅምሮ ብስም ፌስቲቫል ዝጽዋዕ ሆሆን ዳንኬራን ኣብ መላእ ዓለም እናዞረ ብሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ስሱዓት ስነ-ጥበባውያን ተሰንዩ ወሰን ኢሉ ዝምታን ዝርፊያን ካብ ዝተሓሓዞ ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ። መቐጸልታ ናቱ ክኣ እንሆ ሎሚ ዘመን ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ብከተማ ሎንዶንዝመረ ዝምታ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብቲ ውዕሎ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ጆባእ ንብለኩም። ጃንዳህግደፍ ኣቐዲሙ ዳምዳም ክብለሉ ዝቐነየ ፌስቲቫል ግዚኡ ኣኺሉ ካብ ዓርቢ ዕለት 03 ሓምለ ክሳብ 05 ሓምለ 2009 ዓ-ም ኣብ ዘሎ ጊዜ ከካይዶ ወጢኑ ብኡ መጠን ክኣ ዓርቢ ኣጋምሸት ሚሩ እኳ እንተተባህለ፡ ዝኣትወሎም ሰብ ብዘይ ምርካቦም፡ እቶም ዝርካቦም ምእንቲ ሕጻውንቲ ደቆም ክብሉ 25.00 ፓውንድ ከፊሎም ዝኣተዉ ወለዲ ቀንፈዞው ክብሉ ከም ዘምሰዩ ኣብ መወዳእታ ክኣ ብሰንኪ እኹል ሰብ ዘይምእታው ላህማም ምሸት ከም ዝሓደሩ እቶም ኣብቲ ሕድሮ ዝተረኸቡ ወሃብቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን።