Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኣተሓሳስባኻ ዘንጸባርቕ ጽሑፍካ ብምንባበይ ‘’ መን መርዓት ኢሉክን ትኩሓላ’’ ኢለ ከህዳኣካን ንመንነትካ ከይተገደስኩ ኣደብካ ከትሕዘካን ስለዝደለኹ ንታሪኽን ወነንቲ ታሪኽን ትዳረግ ኢለ ስለዘይግምተካ  ካብታ ወረ መስነቒትካ ፋርማሲኻ ክብገስ መሪጸ ።

ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ከምዘለዎ ዝእመነሉ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ን ሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ CFC ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ሃይማኖት ዝጉስጕስ ማሕበር ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣርባዕተ ኣመንቲ ‘ውን ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ጸላም ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ብርሃን ብምቅልዖም ዓይኖም ከምዝዓወሩ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። 

ኣብቲ ፕረዚደንት በሽር ኣስመራ ዝበጽሓሉ መዓልቲ፡ ማለት ሰኑይ 23 መጋቢት ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣስመራ ትምህርቶም ኣቋሪጾም፡ ስነስርዓት ኣቀባብላ በሽር ንምድማቕ፡ ተገዲዶም፡ ጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ከምዝወዓሉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።