Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተሞክሮና ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጽንኩር ኩነታት ክትምልምል ከሎኻ ትምልመል ንኣሽቱን ዘይረኣዩን ዝመስሉ ፍጻሜታት ኣብ መንጎ ምንስሓብን ምትዕጽጻፍን በኒኖም ዝተርፉ መሲሎም ይረኣዩኻ ።ተዋህሊሎምን  ግዜ ሓልዮምን  ነቲ ገዚፍ ዓወት ዘበርከቱ ምንባሮም ግና ትኣምን ።

tegadalayሓው ዮሴፍ ሒደት ይኸውን ‘ምበር ኣንቢበ ኢየ ውሑድ መዓልታት ይኸውን ‘ምበር ኣዝዮም ዘድንቖም በላሕትን ፈላጣትን ሰባት ብተመስጦ ክዛረቡን ክምድሩን ከስተምህሩን ሰሚዐ ኢየ በቲ ይኹን በቲ ግን ኩሉ እቲ ጣቛ እቲ ቛንቛ መሰረቱ ህዝቢ ኢዩ ሕምረት ናይ’ቲ ምግዳል

Gedliብመጀመርያ ነቶም ብዘይ ምስልካይ ንድርሰት ምቅንጃው ገድሊ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ነቢቦም ብብቕዓትን ክእለትን ዝመለሱ ብፍላይ ከኣ ሓው ሳልሕ ዮኑስ በቲ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ንነብሱ ከም ውጺኢት ምዕራባዊ ዓለም ወሲዱ ህላዌ መንነቱ ብምኽሓድ ልዕሊ እቶም ዋናታት ቛንቛ እንግሊዝ ዋና ብምዃን ኣብ መርበባት ሓቤረታ ኤርትራውያን ዱድ ዝብለሉ ዝነበረ ቛንቛ እንግሊዝ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ

YGዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።

ዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።