Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Birminghamኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ  ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም  ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን  ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።

ለውጢ ተበግሶ ብምውስ ድኣምበር፡ ብሰናይ ድሌት ጥራይ ክረጋገጽ ዝኽእል መስርሕ ኣይኮነን። ሓልዮት ህዝቢ ዝሕመረቱ፡ ስቅያትን ሓሳረ መከራን ወገኑ ዘሕመሞን ድቃስ ዝኸልኦን መንእሰይ፡  ብዕስራ ሰነ 2009 ኣብ ዋሸንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ስላማዊ ሰልፊን ሲምፖዝዮምን ፈላሚ ኣኼብኡ ዘስላሰለ ምጥርናፍ መንእስያት፡ ንዝሓለፉ ሸዱሽተ ኣዋርሕ ብግዝያዊ መሪሕነትን፡ ብስም ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ  መንእሰያት ኤርትር ንጥፈታቱ ከኻይድን ፡ ሓያሎ ሰርሓት  ክዓምም  ከምዝጸንሐ  ኩላትና  ንፍልጦ ሓቂ እዩ።  ማሕበርና ኣብ ፈላሚ ርክባቱ  ብዝወሰኖ መሰረት ካብ ዕለት 15 ጥሪ ክሳብ 17 ጥሪ 2010 “ጥርኑፍ መንእሰይ ተስፋ  ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሰለስተ ምዓልታት ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጅያ ግባኤኡ ኣካይዱ።